የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ሰባት ብዛዕባ ዘስካሕክሑን ዓመጽ ዘርእዩ ምስልታት ዝተፈላለየ ደረጃ ተኣፋፍነት ስምዒት ከምዘለዎ ይርደኣና እዩ። ተጠቀምቲ ካብ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ንምሕላው፣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ትሕዝቱ ነወግድ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓይነታት ትሕዝቶታት ድማ ሰባት ክድሚ ምጥዋቖም ተኣፋፊ ወይ ስምዒት ዝርብሽ ክኽውን ከም ዝኽእል ክፈልጡ ዝገብር መጠቅንቀቕታዊ መግለጺ ንገብር። ንትሕቲ ዕድመ ሰባት ዘይምቹ ወይድማ ምስዕድሚኦም ዘይኸይድ ትሕዝቶ ከይሪኡ ክልከላታት ንገብር ኢና። ከምኡ ብምግባር፣ ተጠቀምቲና ንገዛእ-ርእሶም ዝገልጹሉ ቦታ ምሃብና እናቐጸልና ግቡእ ናይ ተጠቃሚ ተሞክሮ ከነቕርብ እዩ ዕላማና።
ተጠቀምቲ ግንዛበ ክፈጥሩ ከምኡድማ ከም ምዝመዛ ሰብኣዊ መሰላት ወይ ዕጥቃዊ ግርጭት ንምኹናን ትሕቶ ከመቓርሑ ከም ዝኽእሉ ንፈልጥ ኢና። ፖሊሲታትና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነተ-ዓውዲ ዝመቓራሕ ትሕዝቶ ኣብ ግምት የእትዉን ንዘተን ግንዛበ ክብ ምባልን ዕድል ይህቡን ኣዮም።
ዝኽፈለሎም መወዓውዒታት ብዝምልከት፣ ተወሳኽቲ ሓለዋታት ንህብ ኢና። ንኣብነት፣ ተኣፋፊ ኰይኑ ዝተረኽበ ትሕዝቶ ኣብ መወዓውዒታት ክፍነው ብቑዕ ኣይኮነን። በተወሳኺ ዘሰንብዱ፣ ዘስካሕክሕ፣ ወይድማ ስምዒት ዝትንክፍ ምስሊታት ወይ ቪድዮታት ዝሓዙ መወዓውዒታት ክንክልክል ኢና። ንዝያዳ ሓበሬታ፣ ብኽብረትካ ናትና ናይ መወዓውዒ ስሪታት ተወከስ።
አይትጠቅዕ፥
ስእሊ ሰባት
ኣብ ዘይሕክምናዊ ዓውዲ ብሂወት ዘለዉ ወይ ዝሞቱ ሰባት ዘርኢ ቪድዮታት፥
ክጎዛዘዩ እንከለዉ ማለት እዩ።
ብቓልዕ ዝረኣዩ ኣካላት ውሽጢ ከብዲ፡ ንኣብነት፣ ዝተቓልዑ ኣካላት፣ ኣዕጽምቲ፣ ቲሹ ጭዋዳታት ናይ ብሂወት ዘለዉ ወይ ዝሞቱ ሰባት፡
እናነደዱ ወይ ብሓዊ እናሓረሩ ዝርከቡ ሰባት፥ወይ
ጐረሮ ምብታኽ።
ናይ ሓደ ሰብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብቀጥታ ፈነወ ምትሕልላፍ።
ናይ ምግንዛይ ዘረባታት
ናይ ምግንዛይ ዘረባታት ማለት – ብዛዕባ ስቅያት ወይ ውርደት ናይ ሰባት ወይ እንስሳት – ታሕጓስ ዝገልጹ ካፕሽናት ወይ ርኢቶታት እዮም
ንሕና እዚ ዝስዕብ ነወግድ
ንኣብ ትሕቲ እዚ ፖሊሲ እቲ ትሕዝቶ ዘብሽ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብለ ማዕዳ ንሰባት ዝገልጽ መጠንቀቕታዊ ስክሪን ዝተገብረሉ ምስሊ (ቪድዮታትን ደረቕ ምስሊታትን) ዝምልከት ናይ ምግንዛይ ዘረባታት ዝገብር;ብዘይካ ኣብ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ስጉምቲ (ንኣብነት፣ ነግዛእ ርእሱ ካብ ዘመተ ዝከላኸል ሰብ ዘርኢ ቪድዮ) ወይ ኣብ ሕክምናዊ ዓውዲ (ንኣብነት፣ ናይ ሕክምና ሞያውያን መጥባሕቲ ከካይዱ ዘርኢ ምስሊ)።
ኣብ ልዕሊ ስቅያት ናይ እንስሳታት ዘርኢ ምስሊ፣ ከምኡድማ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ክሞቱ እንከለዉ ዘርኡ ምስሊ ናይ ምግንዛይ ሓሳባት ምሃብ።
ኣብ ትሕቲ እዚ ፖሊሲ ዝተሰረዘ ወይ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ዝተገብረሉ ምስሊ ምሃብ ወይ ምልማን፣ ብናይ ምግንዛይ ሓሳባት ዝተሰነየ ክኸውን እንከሎ።
ነዚ ዚስዕብ ትሕዝቶ፣ ሰባት እቲ ትሕዝቶ ተኣፋፊ ክኾን ከም ዝኽእል ምእንቲ ክፈልጡ መጠንቀቕታ ዚህብ ስክሪን ንገብረሉ ኢና። ነቲ ትሕዝቶ ኣብቶም 18ን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ናይ ምርኣይ ክእለትና ደረት ንገብረሉ ኢና፡
ስእሊ ሰባት
ኣብ እዞም ዝስዕቡ ዘርእዩ ሕክምናዊ ዓውዲታት፣ ናይ ብሂወት ዘለዉ ወይ ዝሞቱ ሰባት ቪድዮታት:
ክጎዛዘዩ እንከለዉ ማለት እዩ።
ብቓልዕ ዝረኣዩ ኣካላት ውሽጢ ከብዲ፣ ንኣብነት፣ ዝተቓልዑ ኣካላት፣ ኣዕጽምቲ፣ ቲሹ ጭዋዳታት ናይ ብሂወት ዘለዉ ወይ ዝሞቱ ሰባት፡
ዝነድድ ወይ ዝሓርር ሰብ፣ እንኮላይ ኣብ ዓውዲታት ምቅጻል ሬሳ; ወይ
ጐረሮ ምብታኽ።
እዚ ዝስዕብ ዘርኡ ደረቕ ምስሊታት ናይ ሰባት:
ክጎዛዘዩ እንከለዉ ማለት እዩ።
ብቓልዕ ዝረኣዩ ኣካላት ውሽጢ ከብዲ፡ ንኣብነት፣ ዝተቓልዑ ኣካላት፣ ኣዕጽምቲ፣ ቲሹ ጭዋዳታት ናይ ብሂወት ዘለዉ ወይ ዝሞቱ ሰባት፡
እናነደዱ ወይ ብሓዊ እናሓረሩ ዝርከቡ ሰባት፥ወይ
ጐረሮ ምብታኽ።
ናይ ሰብ መስካሕክሒ ሞታ (እንኮላይ ናይ ሕልፈተ-ሂወቱ ወይ ድሕሪ ሕልፈተ-ሂወቱ ቅጽበት) ወይ ናይ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ግዳይ ፍጻመ (ንኣብነት፣ ብኪና ክትሃርሞ እንከላ፣ ካብ ነዊሕ ገደል ክጸድፍ እንከሎ፣ ወይ ካልእ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋ እናጋጠሞ) ዘረኢ ምስሊ (ቪድዮ ወይ ደረቕ ምስሊ)
ናይ ገለ ሰብ ናይ ሞት ቅጽዓት ዘርኢ ምስሊ (ቀጥታ ፈነወ ገዲፍካ)።
ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ ወይ ሰባት ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ተግባራት (ንኣብነት፣ ንኣብነት፣ ኣብ ልዒሊ ብሓይሊ ዝተቐየዱ ግዳያት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ወይ ናይ ቅትለት መፈራርሒታት) ዘርኢ ምስሊ።
ናይ ሰብ ቆርበትኣብ ዘይሕክምናዊ ዓውዲ ባዕዳዊ ነገራት ክበስዑዎ ዘርኢ ምስሊ (ንኣብነት፣ ካራሩ፣ መስማራት፣ ወይ ካልኦት ሓጺናዊ ነገራት)።
ናይ ሰብ ስኒ ክስበር፣ ዝደሚ ስኒ፣ ደም ዘለዎ ዝተነቐለ ስኒ; ወይ ናብ ኣስናን ወይ ግርጻን ባዕዳዊ ነገራት ምስኳዕ ዘርኢ ምስሊ።
ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝሞቱ ድቂታት ወይ ሕንጦያት ዘርኢ ምስሊ፣ እቲ ምስሊ ካልእ ሰብ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ።
ስእሊ እንስሳታት
ናይ ብሂወት ዝለዉ ወይ ዝሞቱ እንስሳት ዘርኢ ምስሊ፣ – ምጉዝዛይ፣ ብቓልዕ ዝረኣዩ ናይ ውሽጢ ከብዲ ኣካላት፣ ዝነዱ ወይ ዝሓሩ፣ ወይ ብሂወቶም ኣብ ፍሉሕ ዝጥጠቁ እንስሳታት ዘርኢ።
ኣብ ከይዲ ምሟት ዝርከቡ እንሳስት ዘርኢ ምስሊ፥
ኣብ ልዕሊ ብሂወት ዘለዉ እንስሳት ግፍዓዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ዘርኢ ምስሊ (ናኣብነት፣ ምውቃዕ፣ ምጥላቕ፣ ወይ መንፈር ምቕንጣብ)።
ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ፣ እቲ ትሕዝቶ 18 ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ጥራሕ ከም ዝርእዩዎ ክንገብር ኢና፥
ስእሊ ሰባት
ቅሉዕ ሰውነት ዝሞቱ ሰባት ብኸፊል ወይ ብምሉእ ዘርኢ ምስሊ፣ ዋላ እቲ ሞት ዘስካሕክሕ ኣማውታ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ኣይሃልዉ።
ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝሞቱ ድቂታት ወይ ሕንጦያት ዘርኢ ምስሊ፣ እቲ ምስሊ ካልእ ሰብ ዘለዎ እንተዀይኑ።
ካብ ክታበት ወጻኢ ናይ ሰብ ቆርበት ዝወግእ መራፍእ፣ ኣኩፓንክቸር ወይ ደረቕ መውጋእቲ መራፍእ፣ ውቃጦ፣ ወይ ንጽባቐ ዝግበር ምብሳዕ ሰውነት ዘርኢ ምስሊ።
ኣብ ሕክምናዊ ኩነታት ኣብ ቃንዛ ወይ ኣብ ጭንቀት ኰይኖም ዝረኣዩ፣ ወይ ኣብ ገጾም ከምኡድማ/ወይድማ ኣብ ኣእዳዎም ሕክምናዊ ትቦ ኣትዩዎም ዝረኣዩ ዝተሃስዩ ሰባት ዘራኢ ምስሊ።
ናይ ሰብ ግዕዛይን ናይ ሰውንተ ፈሰስቲን ዘርኢ ምስሊ (ንኣብነት፣ ፍታን፣ ሽንቲ፣ ትፋእ፣ እኲ፣ ትፍታፍ፣ ኣብ ከይዲ ሕክምናዊ ክንክን ቆርበት ዝውገዱ ነገራት፣ ወይ ደም)።
ዝባርዓ ወይ ዝፍንጀራ ዘለዋ ተሽከርከርቲ ወይ ተሽከርካሪ ካብ መገዱ ወጽዩ ብሓያል ናህሪ ምስ ካልእ ነገር ዝላተመሉ ቅጽበት ወይ ድሕሪ ምልታሙ ከምኡድማ / ወይድማ ናይታ ተሽከርካሪት ዘዋሪ ወይ ናይ ዘወርቲ ክፍሊታት ከቢድ ዕንወት በጺሑዎም ዘርኢ ምስሊ።
ስእሊ እንስሳታት
ብግልጺ ደም ዝረኣዮም ዝሞቱ ወይ ዘይሞቱ እንስሳታት ዘርኢ ምስሊ።
ሕርሲ ናይ እንስሳት ዘርኢ ምስሊታት (ንኣብነት፣ ብግልጺ ዝረኣይ ደም ወይ ናይ ውሽጢ ከብዲ ኣካላት ዘለዎ)።
ሓሸራታት ካብኣቶም ክወጹ ዘርኢ ናይ ዝሞቱ ወይ ሂወት ብሂወት ዘለዉ እንስሳታት ምስሊ (ንኣብነት፣ ሓሳኹት ወይ፣ ባልዓት)።
መጉዳእቲ በጺሑዎም ዝሳቐዩ እንስሳት ዘርኢ ምስሊ።
ልበ-ወለዳዊ ምስሊ
ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውዲታት ልበወላዳዊ ሰባት ዘርኢ ምስሊ፥
ኣካላት ሰውነት ምብትታኽ
ብግልጺ ዝረኣይ ናይ ውሽጢ ከብዲ ኣካላት፣ ከም ዝተቓልዑ ኣካላት ሰውነት፣ ኣዕጽምቲ፣ ወይ ናይ ጭዋዳ ምስሊ;
እነደዱ ወይ ብሓዊ እናሓረሩ ዝርከቡ ሰባት፥
ጐረሮ ምብታኽ፣ ወይ
ኣስካሕካሒ ሞት ወይ ንሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ፍጻመታት።
ልበ-ወለዳዊ ሰባት ዘርኢ ምስሊ፣ እቲ ምስሊ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውዲታት (ኣዝዩ ናይ ኣብ ጋህዲ ዓለም ዘሎ ሰብ ምስሊ ወይ ቪድዮ ዝመስል) ክኸውን እንከሎ፥
ቆልበት ዝጥጠብሑ ወይ ዝወግኡ ሕክምናዊን ዘይሕክምናዊን ናይ ባዕዳዊ ነገራት (ንኣብነት፣ ካራሩ፣ መስማራት፣ ወይ ካልእ ሓጺናዊ ነገራት);
ናይ ሰብ ግዕዛይን ናይ ሰውንተ ፈሰስቲን (ንኣብነት፣ ፍታን፣ ሽንቲ፣ ትፋእ፣ እኲ፣ ትፍታፍ፣ ኣብ ከይዲ ሕክምናዊ ክንክን ቆርበት ዝውገዱ ነገራት፣ ወይ ደም);
ዝሞቱ ሕንጦታት ወይ ድቂቃት ካብ ማህጸን ወጻኢ;
ሓቃዊ ፎቶ ዝመስል ልበ-ወለዳዊ ምስሊታት ናይ እንስሳት ብመንጽር እዞም ዝስዕቡ ዓውዲታት:
ኣካላት ሰውነት ምብትታኽ
ብግልጺ ዝረኣይ ናይ ውሽጢ ከብዲ ኣካላት፣ ከም ዝተቓልዑ ኣካላት ሰውነት፣ ኣዕጽምቲ፣ ወይ ናይ ጭዋዳ ምስሊ;
ዝነዱ ወይ ብሓዊ ዝሓሩ እንስሳታት;
ብህይወቶም ኣብ ፉሉሕ ፈሳሲ ዝጥጠቑ እንስሳታት;
ደም ዘለዎ;
ክሞቱ ዝቐረቡ እንስሳት;
ኣብ ልዕሊ ብሂወት ዘለዉ እንስሳት ግፍዓዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ዘርኢ ምስሊ (ንኣብነት፣ ምውቃዕ፣ ምጥላቕ፣ ወይ መንፈር ምቕንጣብ)፡
መጉዳእቲ በጺሑዎም ዝሳቐዩ እንስሳት
ዝሓሰኸ ክፍሊ ኣካል ዘለዎም እንስሳታት (ንኣብነት፣ ሓሰኻ ወይ ሓሸራ)።
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፡
ንሕና ዘይነፍቅዶም፥
ናይ ሞቱ ብናይ ሕጊ ኣፈጻሚ ኣካል ሰነድ፣ ብናይ ሞት ምስክር ወረቐት፣ ናይ እሙን መቕርብ ሪፖርት፣ ወይ ብናይ ሚድያ ሪፖርት ዝተረጋገጸ ሰብ ዘርኢ ምስሊ ወይ ድምጺ (ምስሊ ዘይብሉ)፣ ናይቲ መዋታይ ኣባል ስድራ-ቤት እቲ ትሕዝቶ ክውገድ ክሓትት እንከሎ።
ናይ ከም መግለጺ ተቓውሞ ነገዛእ-ነብሶም ዘሕረሩ ወይ ዘንደዱ ሰባት ዘርኢ ቪድዮ።
እዚ ዝስዕብ ከነፍቅድ ንኽእል ኢና፥
ኣስካሕካሒ ሞት ወይ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ፍጻመ ዘርኢ ምስሊ፣ እቲ ምስሊ ናይ ሃንደባታዊ ሓደጋ ክኸውን እንከሎ።