እስፓም

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
በዝሒ ተመልከትቲ ብሽጣራ ክብ ንምባል ተባሂሉ ተጠቀምቲ ንምትላል፣ ንምድንጋር፣ ወይ ንምጭንናቕ ዝዳለው ትሕዝቶ ኣይነፍቅድን ኢና። እዚ ትሕዝቶ ካብ ናይ ሰባት ኣብ መድረኽና ብሓቃዊነት ናይ ምስታፍ ኣካይዳ ዝወጸ እዩ፣ ስለዚ ናይ ኣገልግሎታትና ድሕነት፣ ርግኣትን ኣገልጋላይነትን ኣብ ሓደጋ ከእትው ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ከም ምዝርጋሕ መዳናገርቲ መራኽቦታት ምዝርጋሕ ዝኣመሰሉ ዘይተጠራጠርቲ ተጠቀምቲ ብመጋገዪ ኩነተ-ተግባር ወይ ኮድ፣ ወይ ከኣ ገለ ዝእመን ዓውዲ መሲሎም ብምቕራብ ንምስሓብ ዝግበሩ ናይ ተንኮል ሜላታት ንምክልኻል ንሰርሕ።
ናይ ኦንላይን ስፓም ኣኽሳባይ ኢንዳስትሪ እዩ። ፖሊሲታትናን ተፍትሽናን ብደረጃ እቶም እናተሓደሱ ዝመጹ ናይ ስፓም ዝንባለታትን ሜላታትን ብቐጻሊ እናማዕበለ ክመጽእ ኣለዎ። ስፓም ንምክልኻል ኣብ እንወስዶ ስጉምቲ፣ ናይ ማሕበረሰብና ሂወት ዘለዎን ቅኑዕን ጽምዶ እናሓለና ናይቶም ኣብ መድረኻትና ዝቕርቡን ዘከፋፍሉን ኣካላት እነኽፍሎ ክፍሊት ክብ ክነብል ንሓስብ ኣለና።
ንሕና ዘይነፍቅዶም፥
  • ብኣዝዩ ልዑል ድግግም ትሕዝቶ ምጥቓዕ፣ ምምቕራሕ፣ ምስታፍ ወይከዓ ብኢድ ወይ ኣውቶማቲክ ኣካውንታት፣ ጉጅለታት፣ ገፃት፣ ፍፃመታት ወይከዓ ካልኦት ምፍጣር።
    • ካልኦት ናይ ስፓም መመላኸትቲ (ንኣብነት፣ ተደጋጋሚ ትሕዝቶ ምጥቃዕ) ወይ ናይ ዘይሓቃውነት ምልክታት ክህልዉ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ብትሑት ድግግም ዝነጥፉ ዘለዉ ኣካውንታት ክልከላ ከነንብር ንኽእል ኢና።
  • ከም ኣካውንታት፣ ጉጅለታ፣ ገጻት፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ናይ መድረኽ ንብረታት ናይ ምሻጥ፣ ምዕዳግ፣ ወይ ምልውዋጥ ፈተነ ወይ ዕዉት ተግባር።
  • ከም ናይ ኣማሓዳሪ ወይ መሳሰዪ ሚና፣ ወይ ኣብ ገለ ፍሉያት ቦታታት ናይ ምጥቃዕ ፍቓድ ዝኣመሰሉ ፍሉያት ናይ መርበብሓበሬታ ዕድላት ናይ ምሻጥ፣ ምዕዳግ፣ ወይ ምልውዋጥ ፈተነ ወይ ዕዉት ተግባር።
  • ትሕዝቶ ናይ ምሻጥ፣ ምዕዳግ፣ ወይ ብገለ ገንዘባዊ ዋጋ ዘለዎ ነገር ናይ ምልውዋጥ ፈተነ ወይ ዕዉት ተግባር፣ ብዘይካ ከምቲ ኣብ ናትና ናይ ብራንድ ዘለዎ ትሕዝቶ ፖሊሲ ብግልጺ ዝፍለጥ ብራንድ ዘለዎ ትሕዝቶ ተባሂሉ ዝተገልጸ። ናይ ብራንድ ትሕዝቶ ፖሊሲ.
  • ከም ፍትወታት፣ ምምቕራሓት፣ ምልከታታት፣ ምኽታላት፣ ምጥዋቓት፣ ገለ ሃሽታጋት ምጥቃም፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ነገራት ናይ ምሻጥ፣ ምዕዳግ፣ ወይ ንጽምዶ ምልውዋጥ ፈተነ ወይ ዕዉት ተግባር። እዚ ዘጠቓልሎም፦
    • ጥረገንዘብ ወይ ገለ ንጥረ ገንዘብ ዝትክእ ነገር ብጽምዶ ምቕያር (ናኣብነት፣ ሰባት ክዕወቱ ኦድል ምሃብ)። (ንኣብነት፣ “ዝኾነ ናተይ ገጽ ዝፈተወ ሰብ $500 ናይ ምዕዋት ኦድል ኣለዎ”)
    • ከም መቐየርታ ናይ ጽምዶ ዝኾነ ገንዘባዊ ዋጋ ዘለዎ ነገር ክትህብ ምቕራብ። (ንኣብነት፣ “ናተይ ገጽ እንተፎቲኻዮ፣ ኣይፎን ክህበካ እየ!”)
  • ነቲ ቃል ዝተኣተወሉ ትሕዝቶ ተጠቀምቲ ቅድሚ ምርኣዮም ወይከዓ ርክብ ምፍጣሮም ኣብ (ንኣብነት፣ ምፍታውን፣ ምክፋልን) ክፅመዱ ምሕታት ወይ ከዓ ምግዳድ።
  • መታለልቲ ወይ መደናገርቲ URLs, ዶመይናት፣ ወይ መተግበሪታት ምምቕራሕ፣ እንኮላይ:
    • ጉልባብ ምግባር፥ ጉልባብ ምግባር ማለት ዝተፈላለዩ ከም URLs ወይ መተግበሪታት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ካብ መድረኽ ወጻኢ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ደይ መደይ ኢልካ ናብ ናይ ቁጽጽር ስርዓትና ብምፍናው ንዓና ካልእ ንተጠቀምቲ ካልእ እናርኣኻ ናይ ትሕዝቶ ፖሊሲታትና ኣሽኪዕኻ ንምሕላፍ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ማለት እዩ።
    • መጋገይቲ መራኽቦታት: ካልእ ትሕዝቶ ተመጻቢዑ ክንሱ ዝተፈለየ ዓይነት ትሕዝቶ ዘቕርብ መራኽቦ ዝሓዘ ትሕዝቶ። እዚ ኣብቲ መጽባዓ ዝተኣትወሉ መተግበሪ ወይ ሶፍትዌር ዝርከብ ትሕዝቶ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል።
    • መታለሊ ባህሪ ዘለዎ ዳግም ምርሒት: እቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ትሕዝቶ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕሰብ መዕርፎ ገፅ ንምርኣይ ንጥፈት (ንኣብነት ካፕቻ፣ ዝረኣይ ምልክታ፣ ኣብዚኣ ጠውቕ) ዝሓቱ ከምኡ’ውን ድሕሪ ምፍፃም እቲ ንጥፈትካዓ ናይ’ቲ URL ደምበ ስም ዝቕየሩ መርበብ ሓበሬታታት ወይ በእውቶማቲክ ኣገባብ ብዘይ ዝኽዕነ ናይ ተጠቃማይ ስጉምቲ ተጠቀምቲ ናብ ካልእ ዶመይን ዝወስድ።
    • ንዝፈትው/ዘመቓርሕ ጥራሕ ክፉት ምግባር: ሰባት ናብ ገለ ንጹርን ሕጹርን ትሕዝቶ ክኣትዉ መጀመረያ ተሳትፎ ክገብሩ ዘገድድ (ብመልክዕ ፍትወታት፣ ምምርቓሓት፣ ምኽታላት፣ ወይ ዝኾነ ካልእ ቅሉዕ ዓይነት ተሳትፎ)።
    • ናይ መታለሊ መድረኽ ተግባራዊ ዕዮ - ተጠቃማይ መራኽቦ ክኽተል ንምግባር ናይ ዘይሰርሑ ወይ ከምቲ ትጽቢት ዝገበረሎም ዘይኮኑ ኣገልግሎታትና ናይ ትሕዝቶ ባህሪታት ወይ ንጡፍነታት ከም ዝሰርሑ ኣምሲልካ ምቕራብ፣ ብሓሶት ገንዘብ ምእካብ ይካየድ ከም ዘሎ ምምሳል፣ ውሽጣዊ መውሃቢ ድምጺ፣ ናይ ጸወታ መጠወቒታት፣ ወይ ዘይሰርሕ ናይ ምፍታው መጠወቒ።
    • መታለሊ ዝኾነ ናይ መዕርፎ ገፅ ተግባራዊ ዕዮ: ሃንደበታዊ ትራፊክ ክምንጩ ዝገብሩ መደናገሪ ናይ ተጠቃማይ ኢንተርፌስ ዘለዎም መርበባት ሓበሬታ (ንኣብነት፣ ውጥም-ቅልቅል/ትሕቲታት፣ ክሊክጃኪንግ፣ ወዘተ)። እዚ ከም እቲ ሰብ ካብቲ መዓልቦ ገጽ ክወጽእ ክፍትን እንከሎ ዘይጠቕሙ ውጥም-ቅልቅላት ክመጹ ዝገብር ናይ ምጽዋድ ሜላታት የጠቓልል።
    • ንመዓልቦ ገጽ ወይ ዓውዲ መሲልካ ምቕራብ - ካብ መድረኽ ወጻኢ ዝኾነ መዓልቦ ገጽ፣ URL, ወይ ገለ ደጋዊ መርበብ ሓበሬታ ፍሉጥ መለለዪ ወይካዓ ግልጋሎት ናይ ዘለዎም ስም፣ ደምበ ወይካዓ ስሕተት ዘለዎም ፅሑፋት ዝለዉዎ ትሕዝቶ፣ ስሕተት ዘለዎም ኣፃሓሕፋ ቃላት ወይካዓ ካልኦት ብደምቢ-ንዝፍለጡ መለዪታት ንምምሳል ምስ ካሊእ ዝመሳሰል መዕርፎ ገፅ፣ ተጠቐምቲ ዘሰሓሕት ተኣማኒ ባይታ መርበብ ምጥቃም።
    • ካልኦት ነዞም ኣብ ላዕላይ ዝተገልጹ ሜላታት ዝመስሉ መታለልቲ ኣጠቓቕማታት URLs ወይ መራኽቦታት።
  • እዚ ኣብ ላዕላይ ዘሎ ከም ዘለዎ ኰይኑ፣ እዞም ዝስዕቡ ኣይንኽልክልን:
    • መበገሲኡ ንሳልሳይ ወገን ዝኽፈል ክፍሊት ዘይኮነ ተሳጋሪ መወዓውዒ
    • ንዋጋ ዘውጽእ ነገር ብምልዋጥ ዘይኮነስ ኣብቲ ገጽ ወይ ጉጅለ ብዘለዎም ድሌት ምኽንያት ናይ ገጽ ወይ ጉጅለ ኣማሓዳሪ ወይ መሳሰዪ ሓላፍነት ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፍካ ምሃብ።
    • ብግልጺ ዝልለይ ብራንድ ዘለዎ ትሕዝቶ ምጥቃዕ ወይ ምምርቓሕ።
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ዳታ
እቲ ሓድሽ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣፈጻጽማ ሪፖርት ረኣይ
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ብዛዕባ ስፓም ሓገዝ ይርከቡ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ