ንልዕሊ ዕድመ ዒላማ ዝገብር ወሲባዊ ኣስድዖትን ቅሉዕ ወሲባዊ ቋንቋን

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ከምቲ ኣብ ናይ ወሲባዊ ምዝመዛ ዕድመ-ኣከል ሰባት ፖሊሲ ዝተስገልጸ፡ ሰባት ብዛዕባ ግብረ-ስጋዊ ግህሰትን ምዝመዛን ንምዝታይን ትኹረት ንምስሓብን ኣገልግሎታትና ይጥቀሙ እዮም። እዚ ዝርርርብ ረብሓ ከም ዘለዎ ስለ ንኣምን ክካየድ ፈቒድና ኣለና። ብተወሳኺ ናይ ወሲብ ንግዲ ሰራሕተኛ መሰላት ተሓላቕነትን ናይ ወሲብ ስራሕ ስሪትን ዝምልከት ዘተ ክግበር ፈቒድና ኦና ይኹን እምበር፣ እቲ ትሕዝቶ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ወይ ንኣገልግሎታት ንግዳዊ ወሲብ ባይታ ዘጣጥሕ ክኸውን እንከሎ ወይእቲ ትሕዝቶ ፐርኖግራፋዊ ወይ ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘቕርብ ወይ ዝሓትት ክኸውን እንከሎ ዘይስገር መስመር ነስምር። ከምዚ እንገብር ንግዲ ኣገዲድካ፣ ከምኡውን ብዘይድሌትካ ጾታዊ ርክብ፣ ምፍጻም ዘጠቓልል ንግዳዊ ልውውጥ ምእንቲ ኸይንገብር ኢዩ።
ገሊኣቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብና ዝርከቡ ተኣከብቲ ነዚ ዓይነት ትሕዝቶ እዚ ስለ ዝጥንቀቕዎ ከምኡውን ሰባት ምስ ኣዕሩኾምን ምስ ዝሰፍሐ ማሕበረሰቦምን ርክብ ንኸይገብሩ ዕንቅፋት ክዀኖም ስለ ዝኽእል ናብ ጾታዊ ስምዒት ክመርሕ ዝኽእል ንጹር ጾታዊ ዘረባ ንቕይዶ ኢና
ንሕና ዘይነፍቅዶም፥
ኣገልግሎት ሽርሙጥና ዘቕርብ፣ ዝጠልብ ወይ ነዚ ዕላማ ዝሕግዙ ሜላታት መራኸቢ ዝህብ ትሕዝቶ ኰይኑ፣ እዚ ብገንዘብ ወይ ብካልእ ገንዘባዊ ዋጋ ዘለዎ ነገር ተዋጊኻ ንገዛእ-ርእስካ ንኣገልግሎት ሽርሙጥና ምቕራብ ወይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ክቐርበልካ ምሕታት ተባሂሉ ይግለጽ፥
  • ኣገልግሎት ንጥፈት ጾታዊ ርክብ ምሃብ ወይ ምሕታት (ንኣብነት፡ ኣገልግሎታት ንግዳዊ ጾታዊ ርክብ፡ ጾታዊ ርክብ ዝሓውስ/ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ድርዛ፡ ወግዒታት/ዕላላት ጾታዊ ርክብ፡ ቅጥዒ ኣልቦ/ዕብለላ ዝረኣዮ ኣገልግሎታት ጾታዊ ርክብ)
  • ምስ ናይ ህላወ፡ ዋጋ፡ ጫፍ ዋጋ፡ ወይድማ ገለ ንግዳዊ ወይ ገንዘባዊ ወይ ዋጋ ገንዘብ ዘለዎ ነገር ምእንፋት፡ ዝርከበሉ ቦታ፡ ወይድማ ሓበሬታ ኣድራሻ ሕቶ ወይ ቀረብ ኣዛሚድካ ዝዝረቡ ሽርሙጥናዊ ኣሽሙራት ምጥቃም
  • ዋጋ ከምኡድማ ገለ ገንዘባዊ ወይ ገንዘባዊ ዋጋ ዘለዎ ነገር ክትለዋወጥ ዘእንፍት ወሲባዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ናይ ምስዳዕ ንጥፈታት ዝሓዘ ትሕዝቶ
  • ወሲባዊ መጻምድቲ ምስ ዋጋ ወይ ገለ ምልክታት ገንዘባዊ ዋጋ ወይ ንብረታዊ ልውውጥ ኣዛሚዱ ዝገልጽ ትሕዝቶ።
  • ካልኦት ሰባት ንናይ ሳልሳይ ኣካል ወሲባዊ ንግዲ ምምልማል ወይ ምቕራብ ኣብ ትሕቲ ፖሊሲ ሰብኣዊ ምዝመዛ ዝተጠቓለለ ጉዳይ እዩ።
ከምዞም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ ናይ ወሲባዊ መጻምድቲ መራኸቢ ሜላታት ብምቕራብ ኣብ ወሲባዊ መስዳዕቲ ዘተኩር ትሕዝቶ፥
  • ወሲባዊ ርክብ ወይ ምልዕዓል
  • ናይ ኣፍ ወሲብ
  • ወሲባዊ ዕብለላታት
  • ወሲባዊ ዕላል ወይ ዝርርብ
  • ወሲባዊ ወይ ወሲብ ዘበራብሩ መልእኽቲታት
  • ወሲብ ዘበራብር ሳዕስዒት ወይ ስትሪፒንግ
  • ናይ ዕርቃን ምስል ምምቕራሕ (ከም ዕርቃናት፣ ወሲባዊ ቪድዮታት ዝኣመሰሉ)
ፖርኖግራፋዊ ትሕዝቶ እትረኽበሎም ወይድማ ናይ ፖርኖግራፋዊ መርበባት ሓበሬታ ተጠቃሚ ስማት ወይ መራኽቦታት ዝምልከቱ ሜላታት መራኸቢ ዝሓትት፣ ወይ ዝቕርብ ትሕዝቶ።
ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ዝርዝር ነገር ዘቕርብ ቅሉዕ ወይ ስእላዊ መግለጺ ጾታዊ ርክብ፥
  • ኣካላት ብልዕቲ፣
  • ኩነታት ውትራን ጾታዊ ርክብ (ንኣብነት፡ ራሕሲ ወይከኣ ውትራን)
  • ወሲባዊ መጻምዲ
  • እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብዋዛ፣ ላግጺ ዓውዲ ወይ ብወሲባዊ መርገም መልክዕ ዝቐርብ ትሕዝቶ ኣየጠቓልልን።
ብኻልእ ኣገባብ ንምኹናን፡ ንትምህርታዊ ዕላማ፡ ግንዛቤ ክብ ንምባል ወይድማ ዘይናዊ ጸብጻባት ንምውዛዕ ኣብ ትሕቲ እዚ ፖሊሲ ዝጥቃዕ ትሕዝቶ ነፍቅድ ኢና። ብተወሳኺ ብዛዕባ ወሲባዊ ተግባራት ዘተ ምግባር በዚ ፖሊሲ ኣይንኽልክልን ኢና። ይኹን እምበር፣ እዚኦም ብመሰረት እቲ ኣብ ናይ ጥዕናን ጽቡቕ ኩነተ-ጥዕናን ፖሊሲ ዝርከብ ንትሕቲ ዕድመ ሰባት ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ተሞክሮ ከሕልፉ ምምችቻው ዝብል ትህዝቶ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት ጥራሕ ከም ዝርእዩዎም ክንገብር ንኽእል ኢና።
ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ፣ እቲ ትሕዝቶ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥራሕ ከም ዝርእዩዎ ክንገብር ኢና:
  • ብዛዕባ ወሲባዊ ተግባራት ወይ ተመኩሮታት ዝዝቲ ትሕዝቶ
  • ናይ ተጠቃሚ ስማት፣ መራኽቦታት ወይ ኣርማታት ናይ ኣመንዝራ ዓማዊል መመዝገቢ መርበባት ሓበሬታ ዝሓዘ ትሕዝቶ
  • ብመልክዕ ዋዛ ወይ ላግጺ ዝቕርብ ወሲባዊ ቅሉዕነት ዘለዎ ኣገላልጻ፣ እንኰላይ ወሲባዊ ኣሽሙራት
  • ንወሲባዊ መጻምድቲ ዝጸርሕ ወሲብ ዘእንፍት ኣገላልጻ
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፡
  • ኣብ ገሊኡ መዳያት፣ እቲ ትሕዝቶኡ ስጡም ከም ዝዀነ እንተ ተወሲኑ፣ነቲ ኮማዊ መትከል ዝጥሕስ ትሕዝቶ ኽንፈቅድ ኢና። ግህሰታዊ ባእታታት ናይቲ ትሕዝቶ ኣብ ልዕሊ ገለ ነገር ወይ ገለ ሰብ ንምሕጫጭ ወይ ንምንቃፍ ብመልክዕ ኣሽሙር ክቐርቡ እንከለው ጥራሕ እዩ እቲ ትሕዝቶ ክፍቀድ ዝኽእል።
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ንልዕሊ ዕድመ ዒላማ ዝገብር ወሲባዊ ኣስድዖትን ቅሉዕ ወሲባዊ ቋንቋን ዝምልከት ሓገዝ ርኸብ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ