ዝተኸልከሉ ንግዳዊ ኣሰራርሓታት
ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ
መዝገብ ቀይር
ዛሬ
መበገሲ ሓሳብ ፖሊሲ
ዕላማና ንተጠቀምትን ንግዳዊ ትካላትን ካብ ናይ ገንዘቦም፣ ንብረቶም ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኦም ምትላል ምክልኻል እዩ። ነዚ ንምግባር ዝተኸልከሉ ንግዳዊ ኣሰራርሓታት ዝጥቀሙ ትሕዝቶታትን ኣከያይዳታትን ንኸልክል። እዚ ድማ ሓሶት ናይ ስራሕ ወይ ናይ መንግስቲ መደባት መቕረቦታት፣ ናይ ውሩያት ሰባትን ፍሉጣት ምልክት ንግድታትን ምትላላት፣ ናይ ወፍሪ ውዳበታት፣ ናይ ዕዳ ምቃላልን ምእራም ልቃሕን ውዳበታት፣ ብቕልጡፍ ናይ ምህፍታምን ህያብ ምዕዳልን ውዳበታት፣ ናይ ፍቕሪ ምትላል ውዳበታትን ናይ ግብረ ሰናይ ውዳበታትን ዘጠቃልል እዩ።
ሰባት ተኣፋፊ ሓበሬታታት ዘየቃልሑ ወይ ዘየስፋሕፍሑ እንተኾይኖም፣ ብዛዕባ ምትላላትን ካልኦት ዝተኸልከሉ ንግዳዊ ኣሰራርሓታትን ግንዛቤ ክፈጥሩ፣ ንካልኦት ከምህሩን ከውግዙን ንፈቅድ ኢና።
ምስ ዝተኸልከሉ ሰነዳትን ፋይናንሳዊ ኣገልግሎታትን ዝተሓሓዙ ፖሊሲታት ንምርኣይ፣ ናይዝተገደቡ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ናይ ማሕበረሰብ መዐቀኒታትርኣዩ።.
ናይ ምኽባር ኣሰራርሓና ፍጹም ኣይኰነን፣ ንኹሎም ናይ ፖሊሲ ጥሕሰታት ድማ ክነለልዮም ዘይንኽእል ንኸውን። ብዛዕባ ኣታላሊ ትሕዝቶታት ከመይ ጌርካ ከም ዝተለልይ ድማ ንርእስኻ ንምክልኻል እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ዝያዳ ንምፍላጥ፣ ናብቲ ናይ ማእከል ምክልኻል ምትላልተወከሱ።
ናይ ምኽባር ኣሰራርሓ
ትሕዝቶታትን መወዓውዒታትን ምእላይ፣ ዝርግሐ ምቕናስ፣ ናይ መወዓውዒ ኣካውንታት ምግዳብ፣ ብቕዓታት ምእጋድ፣ ማረጋገጺ ምሕታት ወይ ኣካውንታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምግባር ዝኣመሰሉ፤ ብእኦም ጥራይ ዘይወሰኑ ዝተፈላለዩ ናይ ምኽባር ስጉምትታት ክንወስድ ክንኽእል ኢና። እዚኦም ስጉምትታት ብናይ ባዕልና ኣቐዲምካ ናይ ምልላይ ኣሰራርሓ ክውሰዱ ይኽእሉ፣ ወይ እውን ብእሙናት ኣካላትን (ትካላትን) ብናይ ተጠቃሚ ግብረ-መልስን ብዝቐርቡ ሪፖርታት መሰረት ክተግበሩ ይኽእሉ (ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ)።
ናይ ተጠቃሚ ግብረመልሲ
ናይ ተጠቃሚ ግብረ-መልሲ ሕማቕ ናይ ተጠቃሚ ኣጋጣሚታት (ተመክሮታት) ዝፈጥሩ ንግዳዊ ኣሰራርሓታት ንምልላይ ይሕግዘና። ከም ቀጻልነት ዘለዎም ኣገባባት ወይ ዘይምጥኑ ልዑል መጠን ዘለዎ ኣሉታዊ ግብረ-መልሲ ዝኣመሰሉ ምልክታት ኣብ ግምት ነእቱ፣ ከምኡ እውን መወዓውዕትን ሸየጥትን ትሕዝቶኦምን ዕግበት ዓደግቶምን ከማሓይሹ ንምሕጋዝ ዝግበኦም ግብረ-መልሲ ነካፍሎም። መጠንቀቕታታት እንተተዋሂቦም እኳ ኣሉታዊ ግብረ-መልሲ ቀጻሊ እንተኾይኑ፣ ነቶም ተሓተትቲ ኣካውንታት ወይ ኣካላት ምግዳብ ወይ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ምግባር ዝሓውስ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ስጉምቲታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሰራርሓታት ናይ ምኽባር ስጉምቲ ምውሳድ ዝሓውስ እዩ።
- ኣታልሊ ወይ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ዋጋ ምዕራፍ።
- ብዘይምብፃሕ፦ ክፍሊት ድሕሪ ምፍጻሙ ዝተዓደጉ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ዘይምብፃሕ።
- ንፍርያት ብዘይግቡእ ምግላጽ፦ ካብቲ ዝተወዓወዐሉ ብመሰረቱ ዝተለወጠ ፍርያት ወይ ኣገልግሎታት ምውዕዋዕ፣ ዓበይቲ ናይ ጽሬት ፍልልያት ወይ ዘይተኣዘዙ ኣቑሑት ምልኣኽ ዝሓውስ እዩ።
- ዘይተፈቐዱ ክፍሊታት፦ ብዘይ ቅድመ-ፍቓድ ወይ ግልፂ ዝኾነ መግለፂ ናይ ሓደ ተጠቃሚ ናይ ክፍሊት ኣገባብ ምዕራፍ።
- ናይ ምልልስ ወይ ናይ ምምላስ ገንዘብ ፖሊሲታት ምጥሓስ፦ ንዝተገልጹ ናይ ምምላስ ገንዘብ ወይ ኣቑሑት ናይ ምልላስ ፖሊሲታት ዘይምኽባር።
- ኣታልሊ ናይ ምምዝጋብ ኣሰራርሓታት፦ ናይ ውዕሊ ኩነታት ብንፁር ምምዝጋብ ኣገልግሎታት ምምዝጋብ።
- ናብ ሕጋውያን ናይ ንግዲ ዌብሳይታት ዘብፅሑ ዝመስሉ፣ እንተኾነ ግን ናብ ናይ ምጥባር ዌብሳይታት ዝወስዱ ሊንክታት።
ንሕና ዘይነፍቅዶም:
ንንግዳዊ ወይ ፋይናንሳዊ ረብሓ ኢሎም ንሰባት ወይ ንንግዲ ትካላት ንምትላል ኣታልልቲ ብልሓታት ዝጥቀሙ ትሕዝቶታት፤ ነዞም ዝስዕቡ ዝሓውስ እውን እንተኾነ ኣብኣቶም ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን።
ዝተኸልከለ ናይ ልቃሕ ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ልቃሕ ንምርካብ ተጠቃሚ ቅድመ-ክፍሊት ክኸፍል ዝሓቱ ናይ ልቃሕ ዕድላት።
- ከም ካብ ተለቃሒ ዝርከብ ናይ ፋይናንስ ሓበሬታ ዝኣመሰሉ መደበኛ ናይ ምፅዳቕ መስፈርቲታት ብዘይምግላፅ፣ ምፅዳቕ ውሕስነት ዝህቡ ናይ ልቃሕ ዕድላት።
ዝተኸልከለ ናይ ቁማር ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ሓቀኛ ገንዘብ ዘሳትፉ ናይ ቁማር ኣገልግሎታት ምቕራብ። ሓቀኛ ገንዘብ ማለት ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንምዕዳግ ክውዕል ዝኽእል ገንዘብ ኮይኑ፣ ከም ናይ ኣሜሪካ ዶላር ዝኣመሰሉ ሃገራት ገንዘብን ከም ቢትኮይንን ዝኣመሰሉ ቨርቹዋል ገንዘብን ዝሓውስ እዩ።
- ናይ ምዕዋት ውሕስነት ዝህቡኻ።
- ናይ ሓደ ፃወታ ወይ ግጥሚ ውጽኢት ከም ዝተቐየረ ምእማን ወይ ብዘይቀጥታ ምሕባር።
- ውፅኢት ግጥም ወይ ፃወታ ንምዝባብ ንሰባት ምልዕዓል ወይ ውፅኢት ግጥም ወይ ፃወታ ከመይ ገይሩ ከም ዝዛበብ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ምድላይ።
- ናይ ቁማር ኣገልግሎታት ብኣታላሊ ወይ ብዘየግህድ መንገዲታት ምልላይ (ከም ምስ ናይ ቁማር መወፃፀኢ ምስሊ ወይ ቪድዮ ዝተጣመረ ምስቲ ጉዳይ ዘይተኣሳሰር ጽሑፍ)።
- ካብ ፍሉጣት ኣታለልቲ ናይ ቁማር ኣቕረብቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዝልልዩ ዕድላት።
ሓቀኛ ገንዘብ ናይ ምዕዋት ዕድል ዘይብሎም፣ ንቆማር ዝምስሉ ማሕበራዊ ናይ ካሲኖ ጸወታታት ኣብ ትሕቲ እቲ ንዝተገደቡ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ዝምልከት ማሕበራዊ መስፈርቲ ዝሽፈኑ እዮም።
ዝተኸልከለ ናይ ኢንቨስትመንት ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ናይ ኢንቨስትመንት መኽሰብ ዝተረጋገፀ ወይ ካብ ስግኣት ነፃ ምዃኑ ዝገልፁ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ምቕራብ።
- ናይ ኢንቨስትመንት መኽሰብ ወይ ክፍሊት ብኽፋል ወይ ብምሉእ ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ሓደሽቲ ሰባት ኣብ ምምልማል ዝተመርኮዘ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ምቕራብ።
- ተመሳሳሊ ናይ መፃኢ ውፅኢት ንምፅባይ፣ ናይ ሕሉፍ ዓወታት ወይ መኽሰብ ዝጠቅሱ ወይ ዝምከሑ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ምቕራብ።
- ቅልጡፍ መኽሰብ ከም ዘርክቡ ዝገልጹ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ምቕራብ (ከም ኣብ ትሕቲ 24 ሰዓታት)።
- ብግልצי''cash flip," "money flip" ወይ ተመሳሳሊ ናይ ቃላት ኣጠቃቕማ ብምጥቃም፣ ብምውጥዋጥ (flipping)፣ ብተንኮል ወይ ብስትራቴጂ ገቢርካ እተወሰነ መጠን ገንዘብ ናብ ዝዓበየ መጠን ገንዘብ ንምቕያር ዝግበሩ ዕድላት ምቕራብ።
ዝተኸልከለ ናይ ግብረ-ሰናይ ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ንገበርቲ ሰናይ ዕላማታት ዝቐርቡ ናይ ምትላል ናይ ገንዘብ ወይ ናይ ወፈያ ሕቶታት።
ዝተኸልከለ ናይ ፍቕራዊ ርክብ ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ጾታዊ ዘይኮነ መሓዛነት ወይ ርክብ ብምድላይ፣ ከምኡ’ውን ብመተካእታኡ ገንዘብ ወይ መተካእታኡ ብምቕራብ ወይ ብምሕታት፣ ብኢንተርኔት ናይ ምትላል ፍቕራዊ ርክባት ንምምስራት ዝግበሩ ፃዕርታት።
ዝተኸልከለ ናይ ብራንድ ወይ ናይ ፍሉጣት ሰባት መታለሊ ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ሰባት ንምታላል ወይ ንምድንጋር ብዝግበር ፃዕሪ፣ ሰባት ምስቲ ትሕዝቶ ንኽተኣሳሰሩ ንምስሓብ ብዝጥቀሙ ኣታለልቲ ስልቲታት ኣቢልካ፣ ንሓደ ዝተኸበረ ትካል ወይ ኣካል ከም ዝወክሉ ወይ ብስሞም ከም ዝዛረቡ ብሓሶት ምእማን ዘጠቓልል ናይ ብራንድ መታለሊ ምጭብርባራት።
- ሰባት ንምታላል ወይ ንምድንጋር ብዝግበር ፃዕሪ፣ ሰባት ምስቲ ትሕዝቶ ንኽተኣሳሰሩ ንምስሓብ ብዝጥቀሙ ኣታለልቲ ስልትታት ኣቢልካ፣ ናይ ፍሉጥ ሰብ ስም፣ ምስሊ ወይ ስእሊ ብሓሶት ምጥቃም ዘጠቓልል ናይ ፍሉጣት ሰባት መታለሊ ምጭብርባራት እዩ።
ዝተኸልከለ ብቕልጡፍ ናይ ምሃብታም ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ንዘይነፁር ወይ ኣዝዩ ውሑድ ፃዕሪ ዘይሓቃዊ ናይ ገንዘብ መኽሰብ ዝህቡ ዕድላት ምቕራብ።
ዝተኸልከለ ጭቡጥ፣ መንፈሳዊ ወይ ናይ ኢሉሚናቲ ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ናብ ማሕበር፣ ኣምልኾ፣ ሃይማኖታዊ ጉጅለ (ንኣብነት፣ ናይ ኢሉምናቲ ሕውነት) እንድሕር ተጸምቢርካ ወይ ኣባል እንዄንካ ጽቡጥ ሽልማታት ማለተ ሰልዲ፣ ኣቕሑት፣ ወይ ገንዘባዊ ዋጋ ዘለዎም ኣገልግሎታት፣ እንኮላይ ኣካላዊ፣ ዲጂታልን ሓሳባዊን ገንዘባት፣ ከምኡድማ ኣካላዊ ወይ ዲጂታል ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ክትረክብ ኢኻ ዝብል
- ፀሊም ድግምቲ፣ መደናገሪ ቃላት ወይ ናይ ድግምቲ ኣቑሑት (ንኣብነት፦ መደናገሪ ቃላት፣ ናይ ዕድል ህያባት/መእሰሪታት፣ ክታብ፣ ምልክታት፣ መድሓኒት ድግምቲ፣ ናይ ድግምቲ ቦርሳ ወዘተ) ብምጥቃም ጭቡጥ ዓስቢ ዝህቡ ዕድላት ምቕራብ።
ዝተኸልከለ ናይ መድሕን ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ከም ናይ ምምሕዳር ክፍሊት ወይ መቐመጢ ገንዘብ ዝኣመሰሉ ቅድመ-ክፍሊት ብምሕታት፣ ሓሶት ዝኾነ ወይ ኣዝዩ ዝቐነሰ ዋጋ ዘለዎ ናይ መድሕን ዕድላት ምቕራብ።
- ምስ ካልኦት ክነፃፀር እንከሎ ኣብ መድሕን ዓቢዪ ቑጣባ ከም ዘርክብ ብምብጻሕ፣ ሓሶት ዝኾነ ወይ ኣዝዩ ዝቐነሰ ዋጋ ዘለዎ ናይ መድሕን ዕድላት ምቕራብ።
ዝተኸልከለ ናይ ስራሕ ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ብዛዕባ ኣስራሒ ወይ ናይ ስራሕ ዝርዝር መግለፅታት ዝኾነ ሓበሬታ ዘይብሎም፣ ብቐሊሉ ናይ ስራሕ ክፉት ቦታታት ጥራይ ዝጠቕሱ ናይ ስራሕ ዕድላት ምቕራብ።
- ኣብ ገዛ ኮይንካ ናይ ምሰራሕ ዕድላት ምቕራብ፣ እንተኾነ ግን እቲ ናይ ስራሕ መደብ እቲ ሰራሕተኛ ኣብ ገዛ ኾይኑ ክሰርሕ ከም ዘይክእል ዝሕብር እንተኾይኑ።
- ቅድመ-ወሃቢ ናይ ደሞዝ ቃልኪዳን ዘለዎም ናይ ስራሕ ዕድላት ምቕራብ።
- ውሕስነት ዘለዎም ናይ ስራሕ ዕድላት ምቕራብ።
- እቲ ስራሕ ቅድሚ ምሃቡ ናይ ቅድመ-ክፍሊት ሕቶ ዘቕርቡ ናይ ስራሕ ዕድላት ምቕራብ።
ዝተኸልከለ ናይ ዕዳ ምቕላልን ናይ ልቓሕ ብቕዓት ምምሕያሽን ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ኣብ ወሲንካ ዝተቐመጠ እዋን፡ ንዕዳ ብተወሰነ መጠን ፈፂምካ ናይ ምእላይ ወይ ናይ ምቕናስ ቃልኪዳናት ምእታው።
- ኩሎም ናይ ዕዳ ምእካብ መስርሓት ወይ ናይ ፍርዲ ቤት ክስታት ናይ ምዕጻው ቃልኪዳናት ምእታው።
- ካብ ናይ ልቓሕ መዝገብ ናይ ልቓሕ ሓበሬታ ናይ ምእላይ ወይ ሓዲሽ "ናይ ልቓሕ መንነት" ናይ ምፍጣር ቃልኪዳናት ምእታው።
ዝተኸልከለ ናይ ነፃ ህያባት ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ተጠቃሚ ብዘይካ ብሕታዊ ወይ ናይ ፋይናንስ ሓበሬታኡ ምግፋሕ (ምክፋል) ካልእ ዝዀነ ይኹን ስጉምቲ ክወስድ ብዘይድልዮ መገዲ፡ ውሕስነት ዘለዎ ናይ ሓቀኛ ገንዘብ ወይ ናይ ተጠቃሚ ኣቑሑት (ከም ኤሌክትሮኒክስ፣ ተሽከርከርቲ ወይ ገይፅታት ዝመሳሰሉ) ሓሰተኛ ናይ ሽልማት ዕድላት ምቕራብ።
- ካብ ናይ መንግስቲ ደገፋት ወይ መደባት ገንዘብ ከም ዝርከብ ዝሕብሩ ሓሰተኛ ዕድላት ምቕራብ።
ዝተኸልከለ ናይ ቅድመ-ክፍሊት ትሕዝቶ
እዚ ዘጠቓልሎም፦
- ቅድመ-ክፍሊት፡ ብባንኪ ዝግበር ናይ ገንዘብ ፈነወ ወይ ክፍሊት ብምሕታት፡ ብሓሶት ናይ ገንዘብ ቃልኪዳን ምእታው።
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እኳ እንተሃለወ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ዘየቃልዕ ወይ ንኣኣቶም ዘየስፋሕፍሕ ክሳብ ዝኾነ ፦ ንመታለልቲ ወይ ካልኦት ዝተኸልከሉ ናይ ንግዲ ኣሰራርሓታት ዝኹንን፡ ግንዛበ ዘዕቢ ወይ ንካልኦት ዘምህር ትሕዝቶ ኣይንኽልክልን ኢና።
ነቲ ናይ ክልኩልቲ ንግዳዊ ልምድታት ፖሊሲና ዝጥሕሱ ሓሳባት ካብ ምድምሰስ ወድያው ሓሊፉ፡ አውቶማቲክ ( በቀጥታ ) ስርዓታትና ዘይተደለየ ርክብን ንተኽእሎኣዊ ምጭብርባር ንጥፈታት ምግጥጣምን ንምለላይን ንምግዳብ ዝሕግዙ ዝርዝር ናይ ጠባይ ምልክታት አብ ግምት ውሽጢ የእቱ።
- ንዘይተከተሎም ሰባት ዘይተሓተተ መልእኽቲ ምልኣክ፡ ቦታኻ ብግጉይ ምግላፅ፡ ወይ ድማ ነቲ ናይ ምጭብርባር ፖሊሲታትና ብምጥሓሱ ምክንያት ዝተደምሰሰ ማሕበረሰባት (ንኣብነት፡ ገጻት/ኣመሓዳሪ ምዃን ዝኣመሰሉ ተደራራቢ ጠባያት መሰረት ብምግባር፡ ሕሳባት ክንዕቁ ወይ ድማ ንምርኩሳት ምርክባትን ባሕሪያትን (ንኣብነት፡ ንገለ ሕሳባት መልእኽቲ ናይ ምልኣክ ዓቕሚ) መእተዊ ክንግትእ (ክንሕጽር) ንኽእል ኢና።
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፥
ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ክንኣልዮ እንኽእል ኢና።
- ብተኣማኒ ትካል ዝተሓበረ ናይ ምታለል ወይ ናይ ምትላል ተግባራት ዝሓዘ
- ከም ናይ መንግስቲ ኣካል ወይ ናይ ዜና ትካል ብምምሳል፡ ወይ ድማ ናይ ወረ-ሃልሃልታ ወይ ዝተጋነኑ ይገባኣኒ ሕቶታት ብምጥቃም፡ ብመታለሊ ሜላታት ኣቢሉ ሰባት ኣብ ናይ ሓባር ሕጋዊ ክስታት ክሳተፉ ዝምዝግብ።
- ናይ ምታለል ተግባራት ንምፍፃም ብሓባር ኣብ ኣገልግሎታትና ብብዙሓት ሓሳባት ምጥቃም ዘጠቓልል፡ ኣብ ዝተወደበ ናይ ምትላል ወይ ምትላል ተግባራት ዝሳተፉ ወይ ከም ዝሳተፉ ዝሕብሩ ኣካላት ዝሓዘ።
በዚ ፖሊሲ እዚ ዝሽፈን ትሕዝቶ፡ ንምኹናን፣ ንትምህርቲ፣ ንምዕባይ ግንዛበ ወይ ንዜና መግለፂ ኣብ ዝውዕለሉ ኩነታት እንተተለጢፉ ክሓልፍ ንፈቅድ ኢና።
29 Oct 2026
Policy Rationale
We aim to protect users and businesses from being deceived out of their money, property, or personal information. To do so, we prohibit content and behavior that employ prohibited commercial practices. This includes false job or government program offers, celebrity and brand bait, investment schemes (including guaranteed returns), debt relief and credit repair schemes, get-rich-quick and giveaway schemes, romance schemes, and charity schemes.
We allow people to raise awareness of, educate others about, and condemn scams and other prohibited commercial practices, provided they do not reveal sensitive information or promote them.
For policies related to Prohibited Documents and Financial Services, see the Restricted Goods and Services Community Standards.
Our enforcement isn’t perfect, and we may not detect all policy violations. To learn more about how to spot deceptive content and what you can do to help protect yourself, visit our Scam Protection Center.
Enforcement
We may take a range of enforcement actions, including but not limited to removing content and ads, reducing distribution, restricting advertising accounts, limiting features, requiring verification, or disabling accounts. These actions may result from our own proactive detection, or be informed by reports from trusted entities and user feedback (described below).
User Feedback
User feedback helps us identify commercial practices that create poor user experiences. We consider signals such as consistent patterns or disproportionate volumes of negative feedback, and we share relevant feedback with advertisers and sellers so they can improve their content and customer satisfaction. Where negative feedback persists despite warnings, we may take the actions above, up to restricting or disabling the responsible accounts or entities. This includes taking enforcement on practices such as:
- Misleading or unreasonable pricing.
- Non-delivery: failure to deliver purchased products or services after payment has been made.
- Product misrepresentation: promoting products or services that materially differ from what was advertised, including significant discrepancies in quality or incorrect items.
- Unauthorized charges: charging a customer’s payment method without prior authorization or clear disclosure.
- Violation of return or refund policies: failure to honor stated refund or return policies.
- Deceptive subscription practices: enrolling customers in recurring payment plans or subscription services without clear disclosure of terms.
- Links that appear to lead to legitimate commercial sites but instead lead to scam sites.
We do not allow:
Content that uses deceptive tactics to mislead people or businesses for commercial or financial gain, including but not limited to:
Prohibited Loan Content
This includes:
- Loan offers requiring the user to pay an upfront fee to obtain a loan.
- Loan offers that guarantee approval without any mention of standard approval criteria, such as financial information from the borrower.
Prohibited Gambling Content
This includes:
- Offers of real money gambling services (“Real money” is real-world currency that can be used to buy goods or services in the real world, including national currencies such as U.S. Dollars and virtual currencies such as Bitcoin):
- with a guarantee of winning.
- implying or admitting to have rigged the outcome of a game or match
- soliciting people to enable match fixing or looking for help or tips on how to fix a match or game
- promoting gambling services in deceptive or obfuscated ways (such as unrelated text paired with a gambling promo image/video)
- Offers that promote services from known deceptive gambling vendors.
Social casino games that simulate gambling with no opportunity to win real money are covered by our Community Standard for Restricted Goods and Services.
Prohibited Investment Content
This includes:
- Offers of investment opportunities where returns on investment are guaranteed or risk-free.
- Offers of investment opportunities where returns on investment or compensation is partly or fully based on recruitment of others to participate in the scheme.
- Offers of investment opportunities claiming or referencing successful past performance or returns to create an expectation of similar future results.
- Offers of investment opportunities that claim quick returns (such as under 24 hours).
- Offers to turn a certain sum of money into a larger one through flipping or trick or strategy involving explicit mentions of “cash flip,” "money flip,” or similar terminology.
Prohibited Charity Content
This includes:
- Fraudulent requests for money or donations for charitable causes.
Prohibited Romance Content
This includes:
- Fraudulent attempts to establish online romantic relationships by seeking non-sexual companionship or relationship and offering or asking for money or its equivalent in exchange.
Prohibited Brand or Celebrity-Bait Content
This includes:
- Brand-bait scams, which involve falsely claiming to represent, or speak in the voice of, an established business or entity, together with misleading tactics to bait people into engaging with the content in an attempt to scam or defraud.
- Celebrity-bait scams, which involve falsely using the name, likeness, or imagery of a public figure, together with misleading tactics to bait people into engaging with the content in an attempt to scam or defraud.
Prohibited Get Rich Quick Content
This includes:
- Offers of opportunities of unrealistic financial reward for unclear or minimal effort.
Prohibited Tangible, Spiritual or Illuminati Content
This includes:
- Offers tangible rewards, such as money, goods, or services that have a monetary value including physical, digital and virtual currencies, and physical or digital goods and services for membership in or joining an association, cult, religious sect (for example, the Illuminati brotherhood).
- Offers tangible rewards for using black magic or spells or magical items (for example, spells, lucky charms, amulets, tokens, potions, magic wallet, etc.).
Prohibited Insurance Content
This includes:
- Offers of false, heavily discounted insurance with requests for an up-front fee, such as an administration fee or deposit.
- Offers of false, heavily discounted insurance with promises of significant savings on insurance compared to conventional insurance providers.
Prohibited Job Content
This includes:
- Offers of jobs containing no information about the employer and job specifications, simply referencing job vacancies.
- Offers of work from home but the job title implies the employee cannot WFH.
- Offers of jobs with advance promises of salary.
- Offers of guaranteed jobs.
- Offers of jobs with a demand for an advance fee before the job is granted.
Prohibited Debt Relief and Credit Repair Content
This includes:
- Promises to eliminate or reduce debt by a particular amount in a set period of time.
- Promises to stop all debt collections or lawsuits.
- Promises to remove credit information from credit reports or create new "credit identity."
Prohibited Giveaway Content
This includes:
- False offers of a guaranteed reward of real money or consumer goods (such as electronics, vehicles, or jewelry) without any action required by the user beyond sharing personal or financial information.
- False offers of money from government grants or programs.
Prohibited Advance Fee Content
This includes:
- Falsely promises money in exchange for an up-front fee/wire transfer/payment.
Notwithstanding the above, we do not prohibit content that condemns, raises awareness of, or educates others about scams or other prohibited commercial practices, without either revealing sensitive information or promoting them.
In addition to removing accounts that violate our Prohibited Commercial Practices policy, our automated systems consider a range of behavioral signals to help identify and limit unwanted contact and exposure to potential scam activity.
- We may disable accounts or restrict access to products and features (e.g. the ability to message certain accounts) based on a combination of behaviors such as sending unsolicited messages to people who you do not follow, deliberately misrepresenting your location, or being an admin of communities (e.g. Pages) we have removed for violating our scam policies.
For the following Community Standards, we require additional information and/or context to enforce:
We may remove content that:
- Involves frauds or scams that have been reported by a trusted entity.
- Recruits people to participate in class action lawsuits using deceptive tactics, such as impersonating a government entity or news outlet, or using sensationalist or exaggerated claims.
- Involves entities participating in or claiming to engage in organized fraud or scam behavior, including the use of multiple accounts on our services in concert to perpetrate fraudulent behaviors.
We allow content that is otherwise covered by this policy when posted in condemnation, educational, awareness raising, or news reporting contexts.