ግህሰት ውልቃዊ ጉዳይ

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ናትና ኣገልግሎታት ናይ ተጠቀምቲ ስቱርን ውልቃዊን ሓበሬታ ክሕልዉ ይህቅኑ። ውልቃዊ መንነትካን ሓበሬታኻን ክንሕሉ ልዑል ጻዕሪ ንገብር ከምኡ’ውን ሰባት ንገዛእ-ርእሶም ይኹን ንኻልኦት ዝምልከት ገለ ዓይነታት ውልቃዊን ሚስጢራዊን ሓበሬታ ክጥቅዑ ኣይነፍቅደሎምን ኢና። ብተወሳኺ ሰባት መሰላትና ይግህሱ እዮም ዝብሉዎም ምስልታት ብዝምልከት ሰባት ሪፖርት ዝገብሩሎም መገዲታት ኣቕሪብና ኢና።
ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ ዘመቓርሕ፣ ዘቕርብ ወይ ድማ ዝምሕጸን ትሕዝቶ ወይድማ ካልእ ናብ ኣካላዊ ይኹን ፋይናንሳዊ ጉድኣት ከምርሕ ዝኽእል ስቱር ሓበሬታ፣ እንኮላይ ፋይናንሳዊ፣ ናይ መንበሪ ቦታ፣ ከምኡድማ ሕክምናዊ ሓበሬታን ካብ ዘይሕጋዊ ምንጪታት ዝተወስደ ስቱር ሓበሬታን ነወግድ ኢና። ስቱር ሓበሬታ ብዜናዊ ሽፋን፣ ክሲታት ቤት-ፍርዲ፣ ናይ ፕረስ መግለጺታት፣ ወይ ብካልኦት ምንጭታት ኣቢሉ ንኹሉ ክፉት ክኸውን ከም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና። እዚ ምስኮነ፣ እቲ ሓበሬታ ክልጠፍ ከነፍቅድ ንኽእል ኢና።
ኣብ ልዕሊ ዝኽፈሎ ትሕዝቶ ተወሰኽቲ ክልከላታት ነንብር። ዋላኳ ኣብ ናይ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ዝርዝር ሓበሬታ ትኹረት ብምግባር እወንታዊ ናይ ተጠቃማይ ተሞክሮ ዘቕርቡ መወዓውዒታት ነፍቅድ እንተዀንና፣ ናይ ተጠቀምቲ ውልቃዊ ጸገማታት ዝምዝምዙ፣ ብዛዕባኦም ኣሉታዊ ወይ ግጉይ መግለጺታት ዝህቡ፣ ወይድማ ተኣኣፋፊ ውልቃዊ ሓበሬታ ከም ዝፈልጡ ዘእንፍቱ መወዓውዒታት ግን ነወግድ ኢና። ብዛዕባ ንዝኽፈሎ ትሕዝቶ ዝምልከቱ ናይ ስትረት ስሪታትና ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ናትና ንናይ ስትረት ግህሰታትን ውልቃዊ መግለጺታትን ዝምልከት ናይ መወዓውዒ መዕቀኒ ረኣይ።
ንሕና ዘይነፍቅዶም፥
ኣብ ኣገልግሎታትና ይኹን ብካልእ ግዳማዊ መራኽቦታት ኣቢሉ ስትረታዊ ሓበሬታ ዘመቓርሕ ወይ ዝሓትት:
ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ (PII)
  • ናይቲ ጠቃዓይ ወይ ናይ ካልኦት ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ (ፍሉይ መመለዪ መንነት ውልቀሰብ ዝሓዘ ሓበሬታ)። እዚ ዘጠቓልሎም፦
    • ከም ቁጽሪ ማሕበራዊ ውሑስነት (SSN)፣ ቁጽሪ ፓስፖርት ወይድማ ቁጽሪ ከፋሊ ቀረጽ ውልቀሰብ (ITIN) ዝኣመሰሉ ብሄራዊ መለለዩ ቁጽሪታት።
    • ናይ ሕጊ ኣኽበርቲ፣ ሚሊታሪ ወይ ናይ ጸጥታ ኣካላት መንግስታዊ ታሴራታት።
    • ከም ሓዳር፣ ልደት፣ ሞት፣ ስም ምቕያር ወይ ጾታዊ ኣፍልጦን ወዘተ ዝኣመሰሉ መዛግብቲ ወይ ወግዓዊ ሰነድ ናይ ሲቪላዊ ምዝገባ ሓበሬታ
    • ከምግሪን ካርድ፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ወይ ቪዛ ዝኣመሰሉ ናይ ኢሚግሬሽንን ኩነታት ስራሕን ሰነዳት
  • ናይ ካልኦት ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ ዝሓትት ትሕዝቶ
ናይ ውልቃዊ ርክብ ሓበሬታ
  • ናይ ካልኦት ውልቃዊ ኣድራሻ ሓበሬታ ዘመቓርሕ ትሕዝቶ፣ ብዘይካ በቲ ውልቀሰብ ግልጺ ክግበር እንከሎ ወይ ንገበርቲ ሰናይ ዕላማታት ንምልላይ ክካፈል ወይ ክሕተት ከሎ፡ ዝጠፍኡ ሰባት፡ እንስሳታት፡ ወይ ወነንቲ ዝጠፍኡ ነገራት ንምርካብ፣ ወይ ንናይ ንግዲ ትካል ወይ ወሃብቲ ኣገልግሎት ንምርካብ (እቲ ናይ ውልቃዊ ኣድራሻ ሓበሬታ ብዘይ ፍቓድ እቲ ውልቀሰብ ዝተመቓርሐ እንተዘይኰይኑ) ንምምችቻው ክመራቓሕ እንከሎ።
ሓበሬታ መንበሪ
  • ምሉእ ናይ ካልኦት ስቱር ናይ መንበሪ ኣድራሻ ሓበሬታ ዘመራቕሕ ትሕዝቶ፣ ናይ ህንጻ ስም ወይ ነቲ ኣድራሻ ዘለሊ ናይ ካርታ ፒን (ዋላ እቶም ፒናት ኣብ ናብ ካልእ ፕላትፎርም ዝወስዱ መራኽቦታት እንተኾኑ)፣ በዘይካ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውዲታት:
    • ናይ ግበረ-ሰናይ ዕላማታት ንምውዕዋዕ፣ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት፣ እንስሳታት፣ ወይ ናይ ዝተፍኡ ነገራት ወነንቲ ኣለሻ ንምምችቻው፣ ወይ ምስ ንግዳዊ ትካል ወይ ኣገልግሎት ኣቕረብቲ ንምርኻብ ክመራቓሕ እንከሎ
    • እቲ መንበሪ ዕላዊ መንበሪ ወይ ንላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ዝተውሃበ ኢምባሲ እንተኾይኑ
  • ናይ ካልኦት ስቱር ናይ መንበሪ ኣድራሻ (ብዘይካ እቲ መንበሪ ንላዕለዋይ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ዝወሃብ ወግዓዊ መንበሪ ወይ ንላዕለዋይ በዓልስልጣን ኤምባሲ ዝተውሃበ ገዛ):
    • ተቓውሞ ንምግባር ወይ ናይቲ ውልቀሰብ መንበሪ ንምስላል ክመራቓሕ እንከሎን እቲ መንበሪ ቦታ በገለ ካብዞም ዝስዕቡ ሜላታት ክልለይ እንከሎን:
      • ጎደና
      • ከተማ ወይ ከባቢ (ትሕቲ 50,000 ነበርቲ ንዘለዉወን ከተማታት ጥራሕ)
      • ናይ ፖስታ ኮድ
      • ናይ GPS ፒናት ወይድማ ንገለ ካብዚኦም ኣብ ዘለሊ ካርታ ዝርከቡ ፒናት (ዋላ እቶም ፒናት ኣብ ናይ ካብ መድረኽ ወጻኢ መራኽቦ ዝርከቡ እንተኾይኖም)
    • ኵሉ እዚ ዝስዕብ ኵነታት ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ: ነቲ ናይ ብሕቲ መንበሪታት ዘለዎ ግዳማዊ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ስእልታት፡
    • እቲ መንበሪ ንጽል ስድራቤት ዘለዎ ቤት ኢዩ ወይ ቍጽሪ ኣሃዱ ናይቲ ተቐማጢ ኣብቲ ምስሊ/ካፕሽን ኢዩ ዝልለ።
    • እቲ መንበሪ ዝርከበሉ ቦታ ብገለ ካብዞም ዝስዕቡ እዩ ተፈሊጡ:
      • ጎደና
      • ከተማ ወይ ከባቢ (ትሕቲ 50,000 ነበርቲ ንዘለዉወን ከተማታት ጥራሕ)
      • ናይ ፖስታ ኮድ
      • ናይ GPS ፒናት ወይድማ ንገለ ካብዚኦም ኣብ ዘለሊ ካርታ ዝርከቡ ፒናት (ዋላ እቶም ፒናት ኣብ ናይ ካብ መድረኽ ወጻኢ መራኽቦ ዝርከቡ እንተኾይኖም)
    • ትሕዝቶ መለለዪ ናይቲ ተቐማጢ(ተቀመጥቲ)።
    • ወይ እቲ ነባሪ ንምቅላዕ ውልቃዊ መንበሪኡ ይቃወም ኣሎ፡ ወይ ድማ ኣንጻር እቲ ነባሪ ተቓውሞታት ናይ ምውዳብ ኩነታት ኣሎ።
    • እቲ መንበሪ ናይ ዜናዊ ዛንታ ማእከል ትኹረት ስለ ዝኾነ ምስሊ ናይቲ መንበሪ ኣይመራቓሕን ዘሎ (ብዘይካ ኣብ ልዕሊ እቲ ነባራይ ተቛውሞ ንምውዳብ ክመራቓሕ እንከሎ)
  • ናይ ካልኦት ስቱር ሓበሬታ መንበሪ ዝሓትት ትሕዝቶ (ብዘይካ እቲ መንበሪ ንላዕለዋይ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ዝወሃብ ወግዓዊ መንበሪ ወይ ንላዕለዋይ በዓልስልጣን ኤምባሲ ዝተውሃበ ገዛ):
  • ናይ ውሑስ ገዛውቲ ቦታ ዝሓትት ወይ ገለ ካብዞም ኣብ ታሕታይ ዘለዉ ብምምርቓሕ ብዛዕባ ውሑሳት ገዛውቲ ሓበሬታ ዘቃልዕ (ብዘይካ ባዕሉ እቲ ውሑስ ገዛ ብዛዕባ ትሕዝቶኡ ብንቕሓት ሓበሬታ ከወዓውዕ እንከሎ)
    • ናይ ሓቂ ኣድራሻ (መዘኻኸሪ፡ "ሳጹን ጶስጣ ጥራይ" ይፍቀድ)
    • ስእሊ እቲ ውሑስ ዝዀነ ቤት።
    • መለለዪት ከተማ/ገዛውቲ እቲ ውሑስ ዝዀነ ቤት።
    • ንመንነት እቶም ኣብ ውሑስ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ዝገልጽ ሓበሬታ።
ሕክምናዊ ሓበሬታ
  • ብዓይኒ ከም ዝረኣይ ተጌሩ ክውዛዕ እንከሎ ወይ ብድምጺ ወይ ብቪድዮ ክመቓራሕ እንከሎ ሓዊሱ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ሕክምናዊ መዛግብቲ ወይ ካልእ ወግዓዊ ሰነዳት ከም ዝመጽእ ንጹር ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ሕክምናዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ባዮሜትሪካዊ፡ ወይ ሓበሬታ ናይ ጀነቲካዊ ውርሻ ዘመራቕሕ ትሕዝቶ።
ፋይናንሳዊ ሓበሬታ።
  • ብዛዕባ እቲ ጠቃዓይ ወይ ካልኦት ውልቃዊ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ዝሓትት ወይ ዘመቓርሕ ሓበሬታ፣ ማለት ንናይ ውልቀሰብ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ዝምልከት ሓበሬታ፣ እንኮላይ:
    • ዕላዊ ዘይኰኑ ፋይናንሳዊ መዛግብቲ ወይ መግለጺታት።
    • ናይ ባንኪ ሕሳብ ቍጽሪታት ምስ ናይ ድሕንነት ወይ ፒን ኮዳት።
    • ዝርዝር ሓበሬታ ድሕንነት ወይ ፒን ኮዳት ሓበሬታ ዝሓዘ ኤለክትሮኒካዊ ኽፍሊት።
    • ናይ ክረዲት ካርድ ወይ ደቢት ካርዲ ሓበሬታ ምስ ብቑዕ ዕለት ወይ ናይ ሓለዋ ፒንስ ወይ ናይ ድሕንነት ኮዳት።
  • ዕላዊ ዘይኰኑ ናይ ንግዳዊ ትካል ወይ ውዳበ ፋይናንሳዊ መዛግብቲ ወይ መግለጺታት፣ ማለት ንናይ ንግዳዊ ትካላት ወይ ውዳበታት ዝምልከት ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ዘመቓርሕ ወይ ዝሓትት ትሕዝቶ፣ በዘይካ ፈለማ ባዕሉ እቲ ትካል ዝመቓርሖ (እንኮላይ ነዚ ኦሪጂናል ዓውዲ ስዒቦም ዝግበሩ ምምቕራሓት) ወይ ብመገዲ ረቛሒታት ኣቀራርባ ዕላዊ ሪፖርትታት ዝተመቓርሐs (ንኣብነት፣ ዕዳጋ ስቶክ ወይ ተቖጻጸርቲ ኤጀንሲታት ብዝሓትዎ መሰረት)፣ እንኮላይ:
    • ዕላዊ ዘይኰነ ፋይናንሳዊ መዛግብቲ ወይ መግለጺታት
    • ቍጽሪ ሕሳብ ባንክ ምስ ናይ ድሕንነት ወይ ናይ ፒን ኮድ ዝተተሓሓዘ።
    • ኤለክትሮኒካዊ ኽፍሊት ዚገልጽ ሓበሬታ ብዝርዝር ሓበሬታ መእተዊ(log in) ድሕንነት ወይ ፒን ኮዳት ዝሓዘ።
ካብ ዝተሰርሰረ ምንጭታት እተረኽበ ሓበሬታ
  • እቲ እተጐድአ ሰብ፣ ህዝቢ ዝፈልጦ ሰብ ወይ ከኣ ብሕታዊ ይኩን ብዘየገድስ፣ ኣብ እተወሰነ ኣጋጣሚታት ካብ ዝተሰርሰረ ምንጪ ከም ዝመጸ ዝገልጽ ወይ እተረጋገጸ ትሕዝቶ ሓበሬት እንተ ዘይኰይኑ።
እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ እውን ክውገድ ይከኣል ኢዩ፡
  • እቲ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ሰብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ስእሊ ወይ ቪድዮ ዝገልጽ ጸብጻብ፡
    • ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኡ ትሕቲ ዕድመ ዝዀነ ሰብ እቲ ትሕዝቶ ኸኣ እቲ ትሕቲ ዕድመ ዝዀነ ወላዲ ወይ ሕጋዊ መጕዚት ዝተዋሃበ ሪፖርት።
    • ካብ 13 ኽሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ፣ እዚ ትሕዝቶ ኸኣ በቲ ንእሽቶ ሰብ ዝተዋሃበ ጸብጻብ ።
    • ሓደ ዓብይ ሰብ እቲ ትሕዝቶ ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወጻኢ ብዝመጸ ዓብይ ሰብ ሪፖርት ምስ ዝህብን ኣብ ሕጊ ምስ ዝውዕልን ናይ ምውጻእ መሰል ክህብ ይኽእል ኢዩ።
    • ዝዀነ ይኹን አካላዊ ስንክልና ዘለዎን ነቲ ትሕዝቶ ባዕሉ ሪፖርት ክገብር ዘይክእልን ሰብ።
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፡
  • ውልቀሰባትን ናይ ሕክምና ትካላትን ዘርኢ ምስሊታት፣ ውልቀሰብ ኣብ ናይ ሕክምና ወይ ጥዕና ትካል ከም ዘሎ ዘርኢ ትሕዝቶ ወይ ስትረቱ ክሕሎ ዝግባእ ውልቀሰብ ወይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ናብ ናይ ሕክምና ወይ ጥዕና ትካል ክኣቱ ወይ ካብኡ ክወጽእ ዘርኢ ትሕዝቶ፣ በዚ ዝስዕብ ሪፖርት ክግበር እንከሎ:
    • በቲ ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ሰብ
    • ብወኪል ናይቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ሰብ
    • በቲ ነቲ ኣብቲ ስኢሊ ዘሎ ሰብ ክከናኸኖ ሓላፊነት ዘለዎ ትካል ሕክምና ወይ ጥዕና፣ ወይ
    • በቲ ነቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ሰብ ኣስራሒኡ ዝኾነ ትካል ሕክምና ወይ ጥዕና
  • ከም ኣካል ስርሒት ጽልዋ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ዝተመቓርሐ ዘይፍንው ናይ ምርጫ ሓበሬታ ከቃልዕ ዝመስል ምንጪ ሓበሬታ።
    • ካብቲ መልሓዂ ዝኾነ ሃገር ዝመጹ መንግስቲ ብዝቆጻጸሮም ናይ ሚድያ ትካላት ዝግበር ምልሓዂ ዝምልከት ሪፖርት ምግባር ነወግድ።
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ብዛዕባ ግህሰት ውልቃዊ ጉዳይ ሓገዝ ይርከቡ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ