ከባቢያዊ ሕጋዊነት ዘይብሉ ትሕዝቶ፣ ፍርያታት፣ ወይ ኣገልግሎታት

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ተቖጻጸርቲ ወይድማ ናይ መንግስቲ ኣካላት ኣብ ኣገልግሎታትና ኣንጻር ከባብያዊ ሕጊ ዝኾነ ትሕዝቶ ከም ዘሎ እንተኣሚኖም፣ እቲ ትሕዝቶ ክልከላ ከነንብረሉ ክሓቱና ይኽእሉ እዮም። ዘይመንግስታዊ ኣካላትን ኣባላት ማሕበረሰብን እውን ዘይሕጋዊ ትሕዝቶ እነትርእዮም ሪፖርት ክልእኹ ይኽእሉ እዮም። ናይ ቤት-ፍርዲ ትእዛዛት እውን ክመጹና ይኽእሉ እዮም።
ሪፖርት ወይ ትእዛዝ እንድሕር መጽዩና፣ መጀመርታ ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ኢና ነመሳኽሮም። እቲ ትሕዝቶ ኣንጻር ፖሊሲታትና ከም ዝኾነ እንድሕር ኣረጋጊጽና ከነወግዶ ኢና። እቲ ትሕዝቶ ኣንጻር ፖሊሲታትና እንድሕር ዘይኰይኑ ድማ፣ ኣብቲ ከም ኣባል ናይ መደብ ዓለማዊ መርበብ ዝኣተናዮ መጽብዓን ኣብ ናይ ኮርፖሬት ሰብኣዊ መሰላት ፖሊሲናን ተደሪኽና፣ ናይቲ ሪፖርት ቅቡልነት ንምርግጋጽ ናይ ሕጊ ገምጋም ከምኡድማ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ውሳነታት ብጥንቃቐ ንግምግም።
ዝበጽሑና ሪፖርትታት ሕጋዊ ቅቡልነት የብሎምን ወይድማ ንጹራት ኣይኰኑን ወይ ምስ ዓለምለኻዊ ስሪታት ሰብኣዊ መሰላት ዝሳነዩ ኣይኰኑን ኢልና ክንኣምን እንከለና፣ መብርሂ ክንሓትት ወይድማ ስጉምቲ ከይወሰድና ሱቕ ክንብል ንኽእል ኢና።
ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዘይኮነስ ኣብ ከባብያዊ ሕጊ ተደሪኽና ኣንጻር ትሕዝቶ ስጉምቲ ክንወስድ እንከለና፣ እቲ ትሕዝቶ ኣብ ግዝኣት እቲ ግህሰት ዝፈጸመሉ ከባቢ ጥራሕ ኢና ኣብ ልዕሊ ተበጻሕነቱ ክልከላ ነንብረሉ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣምታት ዝኾነ ካልእ መቕጻዕቲታት ወይ ናይ ዓቕሚ ባህሪ ትሕዝቶ ክልከላታት ኣይነንብርን ኢና። ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ከኣ ነፍልጦ ኢና።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ግህሰት ከባብያዊ ሕጊ ዝቐርቡልና ሪፖርትታት ከመይ ከም ንግምግም ከምኡድማ ኣብ ከምዚ ዛኣመሰለ ኣጋጣሚታት ክልከላታት እነንብረሉ ኣገባባት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዙ ሪፖርትታት ኣብዚ ነሕትም ኢና።
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ከባቢያዊ ሕጋዊነት ዘይብሉ ትሕዝቶ፣ ፍርያታት፣ ወይ ኣገልግሎታት ዝምልከት ሓገዝ ርኸብ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ