ናይ ምድንጋር፣ ቀጠፍጠፍ፣ ከምኡድማ ናይ ምትላል ተግባራት

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ሰባትን ቢዝነሳትን ገንዘቦም፣ ንብረቶም ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኦም ንመታለልቲ ኣሕሊፎም ከይህቡ ምክልኻል እዩ ዕላማና። እዚ ደይ መደይ ኢሉ መታለልቲ መገዲታት ዝጥቀም ትሕዝቶ ብምውጋድን ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ – ማለት ከም ብፍላጥካ ኣጋጊኻ ምቕራብ፣ ሓበሬታ ምስራቕን ሓሳባት ኣጋኒንካ ምቕራብን ዝኣመሰሉ – ተጠቀምቲ ወይ ቢዝነሳት ንምድንጋር ወይ ንምትላል፣ ወይ ኣታሊልካ ክሳተፉ ንምግባር ዝዓለሙ ባህሪታት ብምቅላስን ኢና ነሳኽዖ። እዚ ነዞም ተግባራት ንምምችቻው ይኹን ንምትብባዕ ንናትና ግልጋሎት ዝደሊ ትሕዞቶ’ውን ይውስኽ እዩ። ሰባት ናይ ካልኦት ሰባት ግንዛበን ትምህርቲን ክብ ንምባል ክሰርሑን ነዞም ንጥፈታት ክኹንኑን ነፍቅድ ኢና።
ንሕና ዘይነፍቅዶም፥
ንተጠቀምቲ ከምኡድማ/ወይድማ ንቢዝነሳት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ስካም ክገብር ወይ ከደናግር ዝፍትን ትሕዝቶ:
ናይ ልቓሕ ምድንጋር ወይ ስካም
ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
  • ልቓሕ ክትረክብ መጀመርታ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ክፈል ዝብል ረቛሒ ዘለዎ ልቓሓት።
  • ብግልጺ ወይ ኣብ ኩነተ-ዓውዲ ብዝተደረኸ ርድኢት ልቓሕ ከም ዝወሃብ ወይ ክወሃብ ኣብ ጭእፍ ከም ዝበጽሐ ዝገልጹ (ንኣብነት ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ከይተሓተትካ ዝወሃቡ ልቓሓት ከም ዘለዉ ዝገልጹ ሓሳባት)።
  • መዘኻኸሪ፥ ብተወሳኺ ዋላ ዝተረጋገጸ ትካልን ባንክን ወይ ትካል ፋይናንስ እንተኾይኑ እውን ብቑዕ፣ ዘይመደናገሪ ትሕዝቶ ከም ዝጠቅዐ ንምርግጋጽ ካልኦት ምልክታት እውን ንርኢ ኢና።
ናይ ቁማር ምድንጋርን ስካምን
ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
  • ሓቃዊ ገንዘብ መዲብካ እትቋመሮም ናይ ቁማር ኣገልግሎታት ዘቕርብ (“ሓቃዊ ገንዘብ” ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ንምትዕድዳግ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ከም ናይ ኣሜሪካ ዶላር ዝኣመሰሉ ኣብ ጋህዲ ዓለም ዘሰርሑ ንቡራት መተዓዳደጊ ገንዘባትን ከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ሓሳባዊ ገንዘባትን ማለት እዩ):
    • ከም እትዕወት ውሑስነት ዝህቡኻ።
    • ውጽኢት ናይቲ ግጥም ከም ዝተሰነዐ ዘመላኽት ወይ ዝኣምን።
    • ሰባት ውጽኢት ናይ ግጥም ክስንዑልካ ወይ ከመይ ግጥም ወይ ጌም ምስናዕ ከም ዝከኣል ከርእዩኻ ምልማን።
ጭቡጥ ገንዘብ እትዕወተሉ ኦድል ዘይብሎም ቁማር ዝመስሉ ናይ ማሕበራዊ ካዚኖ ጌማት ኣብ ትሕቲ ናትና ንክልከላ ዝተነብረሎም ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ዝምልከቱ ማሕበራዊ ስሪታት ይምደቡ።
ኢንቨስትመንት ወይ ፋይናንሳዊ ምድንጋርን ስካምን
  • ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ዝተረጋገጸ ወይ ካብ ስግኣተ-ክሳራ ናጻ ዝኾነ መኽሰብ ዘለዎ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ዘቕርብ።
    • ብኸፊል ወይ ብምሉእ ካልኦት ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ብዝመልመልካ ቁጽሪ መኽሰብ ወይ እቶት ዝርከቦ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ዘቕርብ።
    • ኣብ “ቀልጢፍካ ሃፍትም” ዝብል ባህሪ ዘለዎ ከምኡድማ/ወይድማ ውሑድ ኢንቨስትመንት ናብ ገዚፍ መጠን ክቕየር ይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ዕድላት ዝተደረኸ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ዘቕርብ።
  • ኣቐዲምካ ሰልዲ/ጥረገንዘብ ክፈል ብዙሕ መኽሰብ ክትረክብ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ”ኣቐዲምካ ጥረ-ገንዘብ ክፈል” "ሰልዲ ክፈል” ካብኡ ውሑድ ገንዘብካ ናብ ገዚፍ መጠን ገንዘብ ክቕየር እዩ ዝብሉ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ሜላ ዝጥቀሙ ተንኮላት ዘቕርብ።
ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብናይ ካልእ ሰብ ሒሳብ ምዝውዋር ወይ ገንዘባዊ ሕጽቦን ስካምን
  • ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብናይ ካልእ ሰብ ሒሳብ ምዝውዋር። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ገንዘብ ብናይ ካልእ ሰብ ሒሳብ ክዘዋወር ዝሓትት (ሰባት ገንዘብ ብምሃብ ወይ ካብ መኽሰብ ክትማቐሉ ኢኹም ብምባል ናይ ዘይፈልጡዎ ሰብ ገንዘብ ብናይ ባንኪ ሒሳቦም ክዘዋወር ክፈቕዱን ብዘይፍላጦም ኣብ ገንዘባዊ ሕጽቦ ክሳተፉን ምግባር)።
    • ስራሕ ክንቆጽረካ ኢና ብምባል ሒሳብ ባንኪ ናይ ግዳይ ናብ ሳልሳይ ኣካል ገንዘብ መተሓላለፊ ጌርካ ንምጥቃም ዝሓትት።
  • ገንዘባዊ ሕጽቦ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ገንዘባዊ ሕጽቦ ከመቻቹ ዝሓትት፣ ዝልምን፣ ዘቕርብ፣ ማለት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኽበ ገንዘብ ነዞም ዝስዕቡ ሜላታት ተጥጠቂሙ ተኸታተልቲ ሕልኽላኽ ፋይናንሳዊ ልውውጣት ብምግባር ምንጪ ናይቲ ገንዘብ ብምሕባእ ሕጋዊ ገንዘብ ከም ዝኾነ ከተምስል ዝግበር ፈተነ:
      • ብስዊፍት SWIFT (ናይ ዓለምለኸ ኢንተርባንክ ፋይናንሳዊ ተሌኮሚዩኒኬሽናት ሕብረተሰብ) ወይ ብተመሳሳሊ ሜላታት ገንዘብ ከዘዋውር ዝሓስብ፣
      • ገንዘብ ንምቕባል ወይ ንምዝውዋር ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ ዓይነታት ሒሳብ ባንኪ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓትት ወይ ዘቕርብ።
ዘይሓቃዊ መንነት ምድንጋርን ስካምን
ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
  • ናይቲ ጠቃዓይ መንነት ብምቕያር ወይ ናይቲ ጠለብ ባህሪ ብምልዋጥ ተጠቀምቲ ስካም ንምግባር ወይ ንምድንጋር ዝፍትን:
    • ረድኤታዊ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን፣ እቲ ልግሲ ህጹጽ ከም ዝኾነ ዝገልጹን ገንዘብ ኣታዊ ዝግበረሎም ናይ ባንኪ ሒሳባት ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ዝሓዙን ኰይኖም ሰባት ገንዘብ ክልግሱ ዝጠልቡ ረድኤታዊ ምድንጋርን ቀጠፍጠፋትን ትባሂሎም ይግለጹ።
    • ፍቕራዊ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን፣ ብኦንላይን ዝግበሩ ዘይወሲባዊ ዕርክነት ወይ ዝምድና ናይ ምምስራት መደናገርቲ ፈተነታት ክኾኑ እንከለዉ ቀጺሎም ድማ ገንዘብ ወይ ናይ ገንዘብ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምሃብ ወይ ምሕታት ዘስዕቡ እዮም።
    • ናይ ዝተመስረተ ቢዝነስ/ትካል ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን፣ ኣብ ናይ ቀጠፍጥጠፍ ወይ ምድንጋር ፈተነኦም ንገለ ዝተመስረተ ቢዝነስ ወይ ትካል ከም ዝውክሉ፣ ኣወይ ብ ክንድኡ ይዛረቡ ከም ዘለዉ ብሓሶት ዝገልጹ ኣካላት እዮም።
ናይ ፍርያት ወይ ሽልማት ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን
  • ናይ መንግስታዊ ረድኤት ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ካብ ናይ መንግስቲ ረድኤት ወይ ካብ ዝኾነ ካልእ ምንጪ መንግስታዊ ገንዘብ ይህብ እየ ኢልካ ምሕሳው ብተወሳኺ ዋላ ካብ ዝተረጋገጸ ትካል ዘመጸ እንተኾይኑ እውን ብቑዕ፣ ዘይመደናገሪ ትሕዝቶ ከም ዝጠቅዐ ንምርግጋጽ ካልኦት ምልክታት እውን ንርኢ ኢና።
  • ጭቡጥ መንፈሳዊ ወይ ናይ ኢሉምናቲ ምድንጋር ወይ ቀጠፍጠፍ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ናብ ማሕበር፣ ኣምልኾ፣ ሃይማኖታዊ ጉጅለ (ንኣብነት፣ ናይ ኢሉምናቲ ሕውነት) እንድሕር ተጸምቢርካ ወይ ኣባል እንዄንካ ጽቡጥ ሽልማታት ማለተ ሰልዲ፣ ኣቕሑት፣ ወይ ገንዘባዊ ዋጋ ዘለዎም ኣገልግሎታት፣ እንኮላይ ኣካላዊ፣ ዲጂታልን ሓሳባዊን ገንዘባት፣ ከምኡድማ ኣካላዊ ወይ ዲጂታል ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ክትረክብ ኢኻ ዝብል
    • ጸሊም ማጂክ ወይ ኣስማት ወይ ማጂካዊ ነገራት እንድሕር ተጠቂምካ (ንኣብነት፣ ኣስማት፣ ዕድለኛ ቻርምስ፣ ክታባት፣ ቶክናት፣ ኣስማታዊ ፈሰስቲ፣ ማጂካዊ ቦርሳ፣ ወዘተ) ጭቡጥ ሽልማት ከም እትረክብ ዝገልጽ።
  • ናይ መድሕን ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ኣብ ሓሶት ዝተደረኸ፣ ብዙሕ ናይ መድሕን ምጉዳል ዋጋ ከም ዝግበረልካን እዚ ኦድል ከየምልጠካ ኣቐዲምካ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ክትከፍል ከም ዘለካን (ናይ ምሕደራ ክፍሊት፣ ወይ ኣታዊ ምግባር፣ ወይ ካልእ) ዝጠልብ።
    • ካብቶም ንቡራት ኣቕረብቲ መድሕን ዘቕርቡዎ (እንተወሓደ ብ 30% ዝጎድል) ዝዛይድ ብዙሕ ገንዘብ እተድሕነሉ ናይ መድሕን ምጉዳል ዋጋ ከም ዝግበረልካ ዝገልጽ ናይ ሓሶት መጽብዓ ዘቕርብ።
    • መዘኻኸሪ፥ ብተወሳኺ ዋላ ዝተረጋገጸ ትካልን ባንክን ወይ ትካል ፋይናንስ እንተኾይኑ እውን ብቑዕ፣ ዘይመደናገሪ ትሕዝቶ ከም ዝጠቅዐ ንምርግጋጽ ካልኦት ምልክታት እውን ንርኢ ኢና
  • ናይ ስራሕ ምድንጋር ወይ ቀጠፍጠፍ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ግልጺ ዘይኮነ ወይ ዘይንጹር መግለጺ ስራሕ ዝሓዙን ናይ ቀልጢፍካ-ሃፍትም ዕድላት ከቕርቡ ዝመጻብዑን ከምኡድማ ኣብ ናይ ሓጺር ግዜ ኢንቨስትመንት ወይ ጻዕሪ ገንዘብ ከም እትረክብ ቃል ዝኣትዉ ስራሕ።
    • ዝርዝር ናይ ስራሕ ሓበሬታ ዘይብሎም ስራሓት፣ ወይ ክፍቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ከም መወከሲ ዘቕርቡ ስራሓት ዘቕርብ።
    • ኣብ ገዛኻ ኴንካ እትሰርሖ ስራሕ ዘቕርብ ግን ከኣ መደብ ናይቲ ስራሕ ኣብ ገዛ ኴንካ ዝስራሕ ከም ዘይኮን ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ።
    • ኣቐዲሞም ደሞዝ ዝኸፍሉ ስራሓት ዝብል መጽብዓ ዘቕርብ።
    • ኣብ ቅድመ-ኩነት ዝተደረኸ ስራሕ ዘቕርቡ።
    • ስራህ ንኽትውሃብ ኣቐዲም ገለ ክፍሊት ክትከፍል ዝጠልብ ስራሕ ዘቕርብ።
    • መዘኻኸሪ፥ ብተወሳኺ ዋላ ዝተረጋገጸ ትካል እንተኾይኑ እውን ብቑዕ፣ ዘይመደናገሪ ትሕዝቶ ከም ዝጠቅዐ ንምርግጋጽ ካልኦት ምልክታት እውን ንርኢ ኢና
  • ናይ ዕዳ እፎይታን ምትዕርራይ ልቓሕን ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ኣብ ዘተወሰነ ግዜ ዕዳ ክንስርዘልካ ወይ ከነጥፍአልካ ወይ ብዝኾነ መጠን ክንንክየልካ ብምባል መጽብዓ ዝኣትው።
    • ኩሉ ዕዳታትካ ወይ ክሲታትካ ከነቋርጸልካ ወይ ክንስርዘልካ ኢሉ መጽብዓ ዝኣትው።
    • "ሓድሽ ናይ መንግስቲ ፕሮግራም” ስለ ዝወጸ ወይ ናይ ሕጊ ለውጢ ስለ ዝተገብረ ወይ ብመገዲ ተዛማዲ መግለጺ ኣቢልና ናይ ኦዳ ሕድገት ክንገብረልካ ወይ ዕዳ ክንስርዘልካ ብምባል ዝግበር መጽብዓ።
    • ናይ ክረዲት ሓበሬታ ካብ ናይ ክረዲት ሪፖርት ክንስርዘልካ ወይ ከነወግደልካ ወይ ሓድሽ "ናይ ክረዲት መንነት" ክንፈጥረልካ ብምባል መጽብዓ ዝኣቱ።
    • መዘኻኸሪ፥ ብተወሳኺ ዋላ ዝተረጋገጸ ትካልን ባንኪን ወይ ፋይናንሳዊ ትካል እንተኾይኑ እውን ብቑዕ፣ ዘይመደናገሪ ትሕዝቶ ከም ዝጠቅዐ ንምርግጋጽ ካልኦት ምልክታት እውን ንርኢ ኢና
  • ናይ ህያብ ምድንጋር ወይ ቀጠፍጠፍ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ክማልኡ ዝሓትት ብጭቡጥ ገንዘብ ዝኽፈል ዘተኣማምን ሽልማት ዘቕርብ:
      • ኣብ ካልእ ካብቲ መርበብ ወጻኢ ዝኾነ መራኽቦ ምምዝካብ።
      • ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ (PII) ወይ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታ ምምቕራሕ።
      • ስቱር መልእኽቲ ተጠቂምካ ዝግበር ካብ መድረኽ ወጻኢ ወይ ናይ ኣብ መድረኽ ርክብ።
      • ዝኾነ ስጉምቲ ዘይምውሳድ።
  • ናይ ኣቐዲምካ ዝኽፈል ክፍሊት ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ኣቐዲምካ ገለ ክፍሊት ብምኽፋልካ/ገንዘብ በባንኪ ብምስዳድካ/ክፍሊት ብምፍጻምካ ዝያዳ ገንዘብ ክንከፍለካ ኢና ዝብል ናይ ሓሶት መጽብዓ።
ናይ ሓሶት ሰነዳት ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን
  • ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰንዑ ሰነዳት። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰንዑ ሰነዳት ዝምሕጸን፣ ዝፈጥር፣ ዝሸይጥ፣ ዝዕድግ ወይ ዝነግድ።
    • ቪዛ ወይ ግሪን ካርድ ከም ዝሸይጥ ዝገልጽ።
    • ቪዛ ወይ ግሪን ካርድ ከም ትረክብ ክገብር እየ ዝብል።
    • ተጠቀምቲ ንቡር ረቛሒታት ከየማልኡ ቪዛ ከም ዘረኽቡ ዝገብር።
  • ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰነዐ ገንዘብ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ናይ ሓሶት ወይ ስኑዕ ገንዘብ ክሸይጥ፣ ክዕድግ ወይ ክነግድ ዝብል፣ ብዘይካ ናይ ሰሌዳ-ጌም ገንዘብ (ንኣብነት ናይ መኖፖሊ ገንዘብ)፣ ንናይ ሰሌዳ-ጌም ዕላማታት ከም ዝውዕል ዘርኢ ግልጺ ኩነተ-ዓውዲ እንተልዩ ማለት እዩ።
  • ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰነዐ ቫውቸራት። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ናይ ሓሶት ወይ ስኑዕ ቫውቸር ከመቓርሕ፣ ክሸይጥ፣ ክዕድግ ወይ ክነግድ ዝብል።
    • ጭቡጥ ወይ ዲጂታል ኩፖናት ወይ ቫውቸራት በዞም ዝስዕቡ መገዲታት ዘይስሩዕ ዋጋ ከም እተዕውት ምእማን፣ ምግዋሕ፣ ወይ ምስዳዕ:
      • እዞም ኩፖናት ወይ ቫውቸራት ተጥጠቂምካ በዞም ኩፖናት ወይ ቫውቸራት ክዕደጉ ዘይኽእሉ ነገራት ምዕዳግ; ወይ
      • ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ዝሓለፎም ኩፖናት ወይ ቫውቸራት።
  • ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰነዐ ናይ ትምህርትን ክኢላታትን ምስክር ወረቐት። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ናይ ሓሶት ወይ ዝተሰነዐ ናይ ትምህርትን ክኢላታትን ምስክር ወረቐት ንሸይጥ፣ ንዕድግ ወይ ንነግድ ዝብል።
ናይ እተሰርቀ ሓበሬታ፣ ኣቕሑ፣ ወይ ኣገልግሎት ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን
  • ናይ ካርድ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ዝተሰርቁ ክረዲት ካርዲታት ወይ ካልኦት ንዝተፈቕዱ ዕደጋታት ክውዕሉ ዝኽእሉ ፋይናንሳዊ ሜላታት ("ካርዲንግ" ተባኢሉ እውን ዝፍለጥ) ምዕዳግ፣ ምሻጥ ወይ ምንጋድ ዘካይድ።
  • ናይ PII ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ (PII) ወይ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታ ዝዕድግ፣ ዝሸይጥ ወይ ዝነግድ፣ ብዘይካ ኣብ ልብ-ወለዳዊ ገጸባህሪ።
  • ናይ ስኑዕ ገምጋም ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ናይ ፍርያት ገምጋማት/ደረጃታት ንዕድግ፣ ንሸይጥ ወይ ንነግድ ኢና ዝብል ጻውዒት።
    • ሰባት ገምጋሞም እንድሒር ሂቦም ምጉዳል ዋጋ፣ ምምላስ ገንዘብ ወይ ናጻ ኣቕሑት ከም ዝረኽቡ ብግልጺ ወይ ብምልክት ዝገልጹ።
  • ናይ ዓሚልነት ምዝገባ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ከፊልካ ዝርከብ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ስሙ ብምጥቃስ ወይ ኣርማኡ ብምምርቓሕ ኣብ ናይ ዓሚልነት ምዝገባ ዝጠልቡ ኣገልግሎታት ክትምዝገብ ዘኽእሉ ምስክር ወረቐታት ክዕድግ፣ ክሸይጥ ወይ ክነግድ ዝፍትን (ኣብ ስሩዕ ናይ ግዜ ኣፈላላያት ተደጋጋሚ ክፍሊታት ዝጠልቡ ኣብ ኦንላይን ኣገልግሎታት እትምዝገበሎም ከፊትካ መእተዊ ወረቐት ምስክራት)
    • መዘኻኸሪ፥ ብተወሳኺ ዋላ ዝተረጋገጸ ትካልን ባንክን ወይ ትካል ፋይናንስ እንተኾይኑ እውን ብቑዕ፣ ዘይመደናገሪ ትሕዝቶ ከም ዝጠቅዐ ንምርግጋጽ ካልኦት ምልክታት እውን ንርኢ ኢና።
  • ሸፈጣዊ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ፡
    • ነዚ ዝስዕብ ምምቕራሕ፣ ምሻጥ፣ ምንጋድ ወይ ምዕዳግ ዘጠቓልል፡
      • ኣብ መጻኢ ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ወይ ናይ መልሲ ወረቐት።
      • ኣብ ፈተናታት ክትቀድሕ ዘኽእሉ ፍርያታት ወይ ኣገልግሎታት።
      • ናይ ዕጸ-ፋርስ መርመራታት ብዘይተፈቕደ ኣገባብ ክትሓልፍ ዘኽእሉ ፍርያታት ወይ ኣገልግሎታት
ናይ ዘፍቑድ ኣጠቓቕማ መሳርሒታት ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን
  • ናይ ምዝመዛ መሳርሒ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ
    • ዝኾነ ዝተመዝመዘ፣ ዝተቐየረ፣ ወይ ዝተሰነዐ መዕቀኒ መሳርሒ ንዕድግ፣ ንሸይጥ፣ ወይ ንነግድ ዝብል ጻውዒት።
    • ዘይሓቃዊ ዋጋ ከተሳኽዕ ምእንታን ኣካላዊ ምዝመዛ መሳርሒታት ከም ዝገበርካ ምእማን፣ ምትብባዕ ወይ ምስዳዕ።
  • ናይ ዲጂታል ትሕዝቶ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ
    • ዲጂታል ትሕዝቶ ብዘይተፈቕደ ኣገባብ ክትጥቀም ዘመቻችዉ ወይ ዘተባብዑ ፍርያታት ዘቕርቡ ወይ ዝሓቱ። እዚኦም ነዞም ዝስዕቡን ካልኦትን የጠቓልሉ: ኣኦግመንትድ ሴት ቶፕ ቦክሶች፣ ሙሉ በሙሉ የተጫኑ/KODI የተጫነባቸው ቦክሶች እንዲሁም የ KODI ኣገልግሎቶች።
መታለልቲን መጋገይቲን ተግባራት
  • መጋገይቲ ኣሰራርሓታት ጥዕና። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ
    • ከም ዝተጋነነ ወይ ጫፍ ዝወጸ ሓሳባት ዝኣመሰሉ ኣብ ስምዒት ዘእትዉ ኣገላልጻታት ብምጥቃም ሰባት መራኽቦ ክጥውቑ ብምግባር ንምንካይ ክብደት ሰውነት ዝምልከቱ ናይ ሓሶት ወይ መጋገይቲ ጥዕናዊ ሓሳባት ወይ መጽብዓታት ዘጋውሕ
ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ፣ እቲ ትሕዝቶ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥራሕ ከም ዝርእዩዎ ክንገብር ኢና:
ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ
  • ገለ ንምንካይ ክብደት ሰውነት ዝምልከቱ ውጽኢታት ኣብ ውሱን ግዜ ከም ዝርከብ ዝገልጹ፣ ግን ከኣ መረጋገጺ ወይ መተሓሳሰቢ ዘየብሎም መጽባዓታት።
እዚ ኣብ ላዕላይ ዝተገልጸ ከም ዘለዎ ኰይኑ፣ ተኣፋፊ ሓበሬታ ብዘየቃልዕ ወይ ምድንጋርን ቀጠፍጠፍን ብዘየተባብዕ ኣገባብ ዝኹንን፣ ንሰባት ብዛዕባ ምድናርን ቀጠፍጠፍን ግንዛበ ዘትሕዝ፣ ዝምህር ትሕዝቶ ኣይንኽልክልን ኢና
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፡
  • ከምዚ ዝስዕብ ዓይነት ትሕዝቶታት ከነወግድ ንኽእል ኢና:
    • ብዝእመን ኣካል ሪፖርት ዝተገብረ ምድንጋር/ቀጠፍጠፍ ዝሓዘ ትሕዝቶ።
    • ምስ ጉቦ ወይ ምጥፍፋእ ዝዛመድ።
    • ተጠቀምቲ ንምድንጋር ወይ ቀጠፍጠፍ ንምባል ኣብ ዝግበር ፈተነ ክታበታት ዘቕርብ።
    • ናይ ሓሶት ስብእና ከተርኢ ዝግበሩ ፈተነታት፣ ፍሉጥ ሰብ ከም ዝዀንካ ምምሳል፣ ወይድማ ከተደናግር ወይ ከተታልል ብምሕሳብ ዘይተፈቕደልካ ናይ ፍሉጥ ሰብ ምስሊ ምጥቃም።
    • ንውልቀ ሰባት ብሰላሕታዊ ኣገባብ ዘርእዩ ወይ ዝቐርጹ ፍርያታት ወይ ኣገልግሎታት ዘቕርብ ወይ ዝሓትት፣ ንኣብነት፣ ናይ ስለላ ቀጠፍጠፋት፣ ናይ ሞባይል ተሌፎን ኣሰር መከታተሊታት (እንኮላይ እቶም ዘይፍለጡ ቁጽሪታት ተሌፎን ኣሰሮም ንምክትታል ዝፈቕዱ)፣ ወይ ካልእ ሕቡእ ናይ ስለላ መሳርሒ።
    • ናይ መንግስቲ ትካል ወይ ናይ ዜና ማዕከን መሲሉ ስምዒት ዝትንክፍ ኣገላልጻ ብምጥቃም ወይ ዘተጋነኑ ሓሳባት ብምጥቃም ተመሳሳሊ በደል ዘጋጠሞም ሰባት ታኣኪቦም ብሓባር ክሲ ከቕርቡ ዘኽእል ናይ ሓሶት መመልመሊ ዕድላት ዘቕርብ።
    • ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታኦም ከእትዉ ዝመርሕ ናይ ዓሚልነት ምዝገባ ኣገልግሎታት ዘቕርብ።
    • ንሕና ትካላት ኣብ ዝተወደበ ናይ ምድንጋር ወይ ቀጠፍጠፍ ባህሪ ክሳተፉ ወይ ከም ዝሳተፉ ክገልጹ፣ እንኮላይ ናይ ምድንጋር ባህሪታት ንምትግባር ብዙሓት መለለዪታት ክጥቀሙ ኣይነፍቅድን ኢና።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ኣሽሙር እንተዘይኸውን ነይሩ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ክግህስ ዝኽእል ዝነበረ ግን ከኣ ብጭቡጥ ኣሽሙር ኰይኑ ዝተረኽበ ትሕዝቶኡ ነፍቅድ ኢና። ግህሰታዊ ባእታታት ናይቲ ትሕዝቶ ኣብ ልዕሊ ገለ ነገር ወይ ገለ ሰብ ንምሕጫጭ ወይ ንምንቃፍ ብመልክዕ ኣሽሙር ክቐርቡ እንከለው ጥራሕ እዩ እቲ ትሕዝቶ ክፍቀድ ዝኽእል።
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ንናይ ምድንጋር፣ ቀጠፍጠፍ፣ ከምኡድማ ምትላል ተግባራት ዝምልከት ሓገዝ ርኸብ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ