ምድንዳንን ምሽጋርን

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምድንዳንን ምሽጋርን የጋጥም እዩ፣ ምጕብዕባዕ ካብ ምግባርን ብውልቂ ኺፍለጥ ዚኽእል ሓበሬታ ኻብ ምዝርጋሕን ዜስግእ መልእኽትታት ካብ ምልኣኽን ዘይድለ ተንኰለኛ ርክብ ካብ ምግባርን ድማ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚመጽእ። ሰባት ኣብ Facebook, Instagram, ከምኡድማ ቅደምተኸተላት ትሕዝቶ ድሕንነትን ኣኽብሮትን ንኸይስምዖም ስለ ዚዓግቶም ነዚ ዓይነት ጠባይ እዚ ኣይንጻወሮን ኢና።
ኣብ መንጎ ህቡባት መንግስትን ውልቀ-ሰባትን ፍልልይ እንገብር ምይይጥ ክንገብር ስለ እንደሊ እዩ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዜና ዚቐርቡ ወይ ብዙሓት ሰማዕቲ ዘለዎም ሰባት ዚወሃብ ነቐፌታ ዜጠቓልል እዩ። ንህዝቢ ነቲ ኸቢድ መጥቃዕትን ነቲ እቲ ህዝቢ ብቐጥታ ኣብቲ ደብዳበ ወይ ሓሳብ ዚህበሉ መጥቃዕትን ነወግዶ ኢና። ታዋቂ ሰዎች ስንል በስቴት እና በሃገር ደረጃ ያሉ የመንግስት ባለስልጣናት፣ ለእነዚህ ጽሕፈት-ቤቶች የሚወዳደሩ እጩ ፖለቲከኞች፣ ማህበራዊ ሚድያ ላይ ከአንድ ሚልዮን በላይ ደጋፊዎች ወይም ተከታዮች ያሉዋቸው ሰዎች እና ከፍተኛ የዜና ሽፋን የምያገኙ ሰዎች ማለታችን ነው።
ንውልቀ-ሰባት ዕቝባና ኸምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡ ነቲ ዘሕስር ወይ ዜሕፍር ትሕዝቶ እንተላይ ናብነት፣ ነቲ ብዛዕባ ጾታዊ ንጥፈታት ሓደሰብ ዚገልጽ ክስታት ነልግሶ ኢና። ምድንዳንን ምሽጋርን ኣብ ንኣሽቱ ሰባት ዝያዳ ስምዒታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና፣ ስለዚ ኸኣ እዩ ፖሊሲታትና ንዝኾነ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኡ ሰብ ዝያዳ ዕቝባ ዚዀኖ።
ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባትን ዕላማን ሰባት ንምዅናን ወይ ናብ ምሽጋር ኣቓልቦ ንምስሓብ ገለ ነገር ከም እተኻፈሉ ንጹር እንተ ዀይኑ ደብዳበ ኽጽሕፉን ንኻልኦት ከካፍሉን ንፈቕደሎም ኢና። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እቲ ግዳይ ዝዀነ ሰብ ከም ዚድንደን ወይ ከም ዜሸግረና ንኽንርዳእ ስለ ዚሕግዘና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጸብጻብ ክንህብ ኣሎና። ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያትን ትሕዝቶን ጸብጻብ ኣብ ርእሲ ምቕራቦም ኣብ መድረኻትና ዘለው ናውቲንምክልኻል ዚሕግዝ ኺጥቀሙ ነተባብዖም ኢና።
ብዘይካዚ ንመንእሰያትን ንወለድን ንመምህራንን ምስ ምድንዳንን ካልእ ግጭታትን ንዚተሓሓዝ ጕዳያት ሕምብርቲ ምክልኻል ምድንዳንኣሎና። በብደረጃኡ መምርሒ ትህብ እያ፣ ብዛዕባ ምድንዳን ኣገዳሲ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር ዚገልጽ ሓበሬታ እውን ትህብ እያ። ንሰባት ካብ ምድንዳንን ምሽጋርን ንምዕቋብ እንታይ ንገብር ከም ዘለና ብዝያዳ ተምሃር ኣብዚ
መዘኻኸሪ፡ እዚ ፖሊሲ እዚ ነቶም ኣብ ትሕቲ ፖሊሲ ሓደገኛታት ውድባትን ውልቀ-ሰባትን እተመደቡ ውልቀ-ሰባት ወይ ነቶም ቅድሚ 1900 ዝሞቱ ውልቀ-ሰባት ዝምልከት ኣይኰነን።
ቅደምሰዓብ 1፡ ዓለማዊ ሓለዋታት ንኹሉ ሰብ:
  • ኩሉ ሰብ ካብዚ ዝስዕብ ይሕለው እዩ:
    • ከም ዝስዕብ ዝኣመሰለ ዘይተደለየ ርክብ:
      • ዝተደግመ፣ ወይ
      • ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ወይ
      • ናብ ብዙሓት ውልቀ ሰባት ዝዓለመ፣ ብዘይ ዝኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ምሕጽንታ።
    • ገዛእ ርእሶም ክጎድኡ ወይ ርእሰ-ቕትለት ክፍጽሙ ንሓደ ሰብ ወይ ናይ ውልቀሰባት ጉጅለ ምሕታት።
    • ኣብቲ በጺሑዎም ዝነበረ ፆታዊ መጥቃዕቲ፡ ፆታዊ ምዝመዛ፡ ፆታዊ ዓመጽ፡ ወይድማ ዘቤታዊ ምዝመዛ ዝተደረኸ መጥቃዕቲታት።
    • ኣብ ፆታዊ ንጥፈት ናይ ምስታፍ ሃቀነ ዘርእዩ መግለጺታት ወይከኣ ኣብ ፆታዊ ንጥፈት ንምስታፍ ጎስጓስ ምግባር።
    • ከቢድ ወሲባዊ ርእይቶ ምሃብ።
    • ዘነኣእስ ትሕዝቶ ዘለዎ ፆታዊ ፎቶሾፕ ወይ ስእሊታት
    • ምስ ጾታዊ ርክብ ብእተተሓሓዘ ዘነኣእስ ቃላት ጌርካ ንሰብ ምጥቃዕ (ንኣብነት፡ ኣመንዝራ፣ ሸርሙጣ)።
    • ዘሕን መጥቃዕቲ ኣይተኸስተን ዝብሉ ሓሳባት።
    • ውልቀሰባት ግዳያት ዘሕዝን መጥቃዕቲ ወይ ግዳያት ናይ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ኮይንና ኢሎም ይሕስዉ ከም ዘለዉ ዝገልጹ ሓሳባት፡ እንኮላይ:
      • ናይ ገለ ሓደጋ ግዳያት ክመስሉ ይፍትኑ ከም ዘለዉ፡ ወይድማ
      • ሰባት ኣብቲ ክስተት ብዛዕባ ዝነበሮም ሚና ክትሕሱ ክፍሊት ምቕባል።
  • ናይ ቅልወሰብ ስቱር ቁጽሪ ተሌፎን፣ ናይ መንበሪ ቦታ ኣድራሻ፣ ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ወይድማ ናይ ሕክምና መዝገባት (ከምቲ ኣብ ፖሊሲ ግሰታት ስትረት ዝተገልጸ) ክፍንው እየ ኢልካ ምፍርራሕ።
  • ክትድንድን ከምኡድማ/ወይድማ ከተሸግር ጻውዒት ከም ዝገበርካ ወይድማ ከምኡ ከም ዝሓሰብካ ዘርእዩ መግለጺታት።
  • ምልጣፍ መመሊሱ ንታሕቲ ዝወርድ ዘረባ ወይ ከኣ ከምዝፈንፍንካዮም ዝገልጽ ኣበሃህላ ወይ ጸለመ ናብ ውልቀ ሰባት ድሕሪ ወርሓዊ ጽግያት፣ሽንቲ ማይ ምሻን፣ ቀልቀል ምውፃእ
  • ኩሉ ሰብ ካብዞም ዝስዕቡ ነገራት ሕሉው እዩ፡ እንተኾነ ንዓቕመ ኣዳም ዝኣኸሉ ስሙያት ሰባት ብምኽንያት ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም:
    • ናይ ሞት ጻውዒት ከምኡድማ ብሕማም ምልባድ ወይድማ ምምዕባል ጥዕናዊ ጸገም ዝድግፉ መግለጺታት።
    • ብሞት ወይ ብጥዕናዊ ጸገም ምሕጓስ ወይድማ ምሕጫጭ።
    • ብዛዕባ ብርክብ ግብረ-ስጋ ዝመሓላለፉ ሕማማት ቤላቤሎ ምዝርጋሕ።
    • ብዛዕባ ኣካላዊ መሸከል ናይ ምንእኣስ መግለጺታት።
ቅደምሰዓብ 2፡ ዕላማ ምግባር ንውልቀ-ሰባትን ውሱን ተፈላጥነት ንዘለዎም ሰባትን (ንኣብነት እቲ ቐንዲ ዝናኦም ኣብ ምንቅስቓሳቶምን ጋዜጠኛታትን ዝተሓጸረ ወይ ብዘይ ፍቓዶም መገዲ ውሩያት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባትን) ብ:
  • ብዘይካ እቲ ንኹሉ ሰብ ዝወሃብ ኣድማሳዊ ሓለዋታት፡ ኩሎም ትሕቲ ዕድመ (ስቱር ሂወት ዘለዎም ውልቀሰባትን ፍሉጣት ሰባትን)፡ ስቱር ሂወት ዘለዎም ዓበይትን ውሱን ቦታ ዘለዎም ስሙያት ሰባትን ካብዚ ዝስዕብ ሓለዋ ይግበረሎም፡
  • ኩሎም ትሕቲ ዕድመ (ስቱር ሂወት ዘለዎም ውልቀሰባትን ፍሉጣት ሰባትን)፣ ስቱር ሂወት ዘለዎም ዓበይትን ውሱን ቦታ ዘለዎም ፍሉጣት ሰባትን ካብዞም ዝስዕቡ ይሕለዉ፣ እንተኾነ ስሙያት ትሕቲ ዕድመ ሰባት ብምኽንያት ነዞም ዝስዕቡ ክቃልዑ ኣለዎም:
    • ሰብኣውነት ዝጎደሎ ንጽጽራት (ብጽሑፍ ወይ ብስእላዊ መልክዕ) ምስ ወይ ብዛዕባ:
      • እንስሳታትን ነፍሳትን፡ እንኮላይ እቶም ብተለምዶ ትሑታት ተጌሮም ዝቑጸሩ ትሕቲ ሰብ ዝኾኑ ፍጥረታት።
      • ባክተርያ፡ ቫይረሳት፡ ማይክሮብስን ሕማማትን።
      • ህይወት ዘይብሎም ነገራት፡ እንተላይ ጓሓፍ፡ ርስሓት፡ ሰገራ።
  • ነቲ ትሕዝቶ ወይ ዙርያካ ወይ ዝኮነ መገዲ ተጠቂምኩም ንምጕላሕ ተባሂሉ ነቲ ትሕዝቶ ናብ እተወሰነ ኣካላዊ ባህርያት (ኣፍንጫ እዝኒ ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት) ኣሉታዊ ኣቓልቦ ኸም ዝስሕብ ምገባር።
  • ኣብ ኣካላዊ መሸከሎም ወይከኣ ፍሉይ መለለዪ ባህሪ ተደሪኹ ደረጃ ዘውጸኣሎም ትሕዝቶ።
  • ንኣካላዊ ምጉብዕባዕ ዝተቓልዑ ሰባት ዘርኢ መናሸዊ ትሕዝቶ (ብዘይካ ኣብ ቅልስ-ስፖርት ኩነተ-ዓውዲ)።
ቅደምሰዓብ 3፥ ተወሳኺ ሓለዋታት ንስቱር ሂወት ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ፣ ስቱር ሂወት ዘለዎም ዓበይትን ብዘይድሌቶም ስሙያት ዝኾኑ ፍሉጣት ትሕቲ ዕድመ ሰባትን:
  • ካብዞም ኩሎም ኣብ ላዕላይ ዝተጠቕሱ ሓለዋታት ብተወሳኺ፡ ኩሎም ስቱር ሂወት ዘለዎም ቆልዑት፡ ስቱር ሂወት ዘለዎም ዓበይቲ (ናይ ግድን ባዕሎም ክገልጹ ዘለዎም)፡ እንኮላይ ብዘይድሌቶም ስሙያት ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ካብዞም ዝስዕቡ እውን ሓለዋ ይግበረሎም እዩ:
    • ዕላማ ዘለዎ መርገም።
    • ብዛዕባ ፍቕራዊ ርክብ ጾታዊ ኣረኣእያ ወይ መንነት ጾታ ዚገልጽ ሓሳባት።
    • ንምግላል ጻውዒት ብምግባር፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝደፋፍእ ሓሳባት ብምቕራብ፡ ወይ ከኣ ነቲ ፍልያ ዝጣበቑ ወይ ዝድግፉ ሓሳባት ምቕራብ።
    • ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ዚቐርብ ገበናዊ ኽስታት ኰነ ናይ ንግዲ ድግማ እንተ ዘይኰይኑ ኣሉታዊ ባህርይ ወይ ክእለት ምዝራብ።
    • ንህላወ ሓደ ውልቀሰብ ዝነጽግ መግለጺ ንዕቀት፡ ጽልኢ ወይ ትሕዝቶ፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ዘቕነዐ ገበናዊ ክሲታት ወጻኢ።
  • ስቱራት ቆልዑት፡ ስቱራት ዓበይቲ ሰባት፡ ከምኡድማ ብዘይድሌቶም ስሙያት ዝኾኑ ቆልዑት ብናይ ባዕላቶም ጠለብ መሰረት ካብዞም ዝስዕቡ ሓለዋ ይግበረሎም:
    • ናይ መጀመርታ ሰብ ብቃላት ዝድንድን።
    • ዘይድሊ ተንኮላዊ ስእሊ።
    • ምስ ካልኦት ሰባት ልቢ ወለዳዊ ወይ ውልቀ-ሰባት ብኣካላዊ ትርኢት ምንጽጻር።
    • ብዛዕባ ሃይማኖታዊ መንነት ወይ ጸርፊ ዝገልጽ ክስታት
    • ምስቶም ብባህሊ ኻብ ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ዝተሓቱ ጌርካ ዘይርኣዩ እንስሳታት ወይ ሓሸራታት (ሓስኻታት) ምንጽጻር (“ነብሪ”፣”ኣንበሳ”)።
    • ገለልተኛ ወይ ኣወንታዊ ኣካላዊ መግለጺታት።
    • ኣሉታዊ ዘይኰነ ባህርይ ወይ ክእለት ምዝራብ።
    • ምስ ጕድለት ጾታዊ ርክብ ብእተተሓሓዘ ዘነኣእስ ቃላት ዝፍኖ መጥቃዕቲ።
ቅደምሰዓብ 4፡ ተወሳኺ ሓለዋታት ንስቱራት ቆልዑት ጥራሕ:
  • ብመሰረት ፖሊሲና ቆልዑት ዝለዓለ ሓለዋ ይረኽቡ። ካብዞም ኩሎም ኣብ ላዕላይ ዝተጠቕሱ ሓለዋታት ብተወሳኺ፡ ስቱር ሂወት ዘለዎም ቆልዑት ካብዞም ዝስዕቡ እውን ሓለዋ ይግበረሎም እዩ:
    • ብዛዕባ ገበን ወይ ዘይሕጋዊ ተግባር ዚቐርብ ክስታት።
    • ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ዝፍጸም ኣካላዊ ምጉብዕባዕ ዘርኢ ብዝኾነ ኩነተ-ዓውዲ ዝተመቓርሐ ቪድዮታት።
    • ምስ ንኣንስታይ ጾታ ዝምልከቱ መርገማት ዝዛመዱ ዘነኣእሱ ቃላት ምጥቃም።
ብገጻት፡ ጉጅለታት፡ ፍጻሜታትን መልእኽትታትን ዝግበር ምድንዳንን ምግፋዕን
  • ካብ ቅደምሰዓብ 1 ክሳብ 4 ዘሎ ሓለዋታት ኣብ ገጻት፡ ጉጅለታት፡ ፍጻሜታትን መልእኽትታትን እውን ይትግበር።
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፥
ከምዚ ኣይትግበር፡
  • ንውልቀ-ሰባት በቲ ዘይድለ ገጻትን ጕጅለታትን ፍጻመታትን ኣቢሉ ዘጥቅዕ ትሕዝቶ ጽሓፍ ምልጣፍ። እቲ ግዳይ ወይ እቲ እተፈቕደሉ ተወካሊ ናይቲ ግዳይ ጸብጻብ ምስ ዚህበና ነዚ ትሕዝቶ እዚ ነልግሶ ኢና።
  • እንተ ዘይኰይኑ እቲ ግዳይ ነቲ ትሕዝቶ ወይ እቲ ፖስተር ብቐጥታ ነቲ ግዳይ የጥቅዕ ከም ዘሎ ዝሕብር መሐበሪ ጸብጻብ ክህብ ዘድልዮ ኣብ ላዕላይ ዝተገልጸ ናይ ጥቃዕ ትሕዝቶ ለጥፍ (ንኣብነት እቲ ግዳይ ኣብቲ ልጥፎ ወይ ሓሳብ ተታሓሒዙኣሎ)። ካብቲ ግዳይ ወይ ካብቲ እተፈቕደልና ተወካሊ ናይቲ ግዳይ (ዘሎ ወይ ዝሞተ) እቲ ትሕዝቶ ዘይድለ ምዃኑ መረጋገጺ እንተድኣ ረኺብና ነዚ ትሕዝቶ እዚ ነልግሶ ኢና።
  • ኣብ ትሕቲ ፖሊሲታትና ምስ ምድንዳንን ምሽጋርን ዝኣመሰለ ባህርያት ምካኖም ዝተገለጹ ነገራት፣ ንምስታፍ ዝጽውዕ ትሕዝቶ ምልጣፍ። ካብቲ ዒላማ ዝተገብረ ሰብ ወይ ካብቲ እተፈቕደልና ተወካሊ ናይቲ ዒላማ ዝተገብረ ሰብ እቲ ትሕዝቶ ዘይድለ ምዃኑ መረጋገጺ ምስ ረኸብና ነዚ ትሕዝቶ እዚ ነልግሶ ኢና።
  • ምስ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ወሲባዊ ምልዕዓል ዝገልጽ ትሕዝቶ ምልጣፍ። ካብቲ ዒላማ ዝተገብረ ሰብ ወይ ካብቲ እተፈቕደልና ተወካሊ ናይቲ ዒላማ ዝተገብረ ሰብ እቲ ትሕዝቶ ዘይድለ ምዃኑ መረጋገጺ ምስ ረኸብና ነዚ ትሕዝቶ እዚ ነልግሶ ኢና።
  • ነቲ ተቐባሊ ወሲባዊ ውርደት ዘስዕብ ርክብ ምብግጋስ። ካብቲ ተቐባላይ ወይድማ ካብ ዝተፈቕደሉ ወኪሉ እቲ ርክብ ዘይተደለየ ከም ዝኾነ መረጋገጺ እንተረኺብና፡ ዝኾነ ካብ ድሌት ወጻኢ ዝተመቓርሐ ትሕዝቶ ከነወገድ ኢና።
  • ነዚ ዝስዕብ መጠነ - ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣወግዶ ኣብ፡
    • ዕላማ ብምግባር፣ ብዝዀነ ይኹን ባይታ ኣቢልካ፣ 'ኣብ ናይ ምጕዳእ ኣጋጣሚ ንዘለው ውልቀ-ሰባት'፣ ከምዚ ዝስዕብ ትርጕም ኣለዎ፡
      • ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት
      • ንኣሽቱ
      • ግዳያት ዓመጻ/ዘሕዝን ፍጻመታት
      • ኣብ እዋን ምርጫ ዘለዉ ተቓወምቲ ኣብተን ኣብ ስግኣት ዘለዋ ሃገራት
      • ሰበ ስልጣን መረፃ
      • ተቓወምቲ መንግስቲ ብመሰረት እቲ ዝነበሮም ተቓውሞ ግዳይ ዝኾኑ
      • ኣብ ዞባ ግጭት ዝነብሩ ሒደት ዓሌታትን ሃይማኖታትን
      • ኣባል ሓደ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዚርከብ እተመደበን ዚልለ ጕጅለን
    • ንዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ብኸም ናይ ወልቃዊ መልአክቱ ወይ ገጻቱ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ነገራት ጌርካ ኸምዚ ዝስዕብ፡
      • ንውልቀ-ሰባት ዝምልከት ፖሊሲታት ምድንዳንን ምሽጋርን ዝጥሕስ ትሕዝቶ ወይ፣
      • ኣብ ዕቝባ እተመርኰሰ ዘይቅቡል ትሕዝቶ
  • ሓደ ኽፋል እቲ ብጃምላ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተካፈሉ ዝደስከሉ ኣካውንትታት
    • መንግስቲ ወይ ምስ መንግስቲ ዝተሓሓዝ መራኸቢታት ንዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ብዝዀነ ይኹን ባይታ ምጥቃዕ።
    • ንዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ በዚ ዝስዕብ ገይሮም ዘጥቅዕዎ ተጻባእቲ መራኸቢታት፡
      • ንውልቀ-ሰባት ዝምልከት ፖሊሲታት ምድንዳንን ምሽጋርን ዝጥሕስ ትሕዝቶ ወይ፣
      • ኣብ ዕቝባ ኣብ ዘለዎ ባህርይ ተመርኲሱ ዕላማ መጥቃዕቲ ዘውርደሎም ትሕዝቶ ወይ፣
      • ትሕዝቶ ወይ ጠባይ ኣብቲ ኸባቢ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ጌርካ እዩ ዝርአ
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ዳታ
እቲ ሓድሽ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣፈጻጽማ ሪፖርት ረኣይ
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ብዛዕባ ምድንዳንን ምሽጋርን ሓገዝ ይርከቡ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ