የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ሓቅነት እምኒ መኣዝን ማሕበረሰብና እዩ። ሓቅነት ሰባት ንሓድሕዶም ተሓተትቲ ዝዀኑሉ ማሕበረሰብ ከም ዝፈጥር ን Meta ከኣ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ኸም ዚፈጥር ንኣምን ኢና። ኣብ ብምልእታ ዓለም ዘሎ ማሕበረሰብና መንነትና ዚግለጸሉ እተፈላለየ መገድታት ከነፍቅደሉ ንደሊ ኢና ኣብ ርእሲ እዚውን ኣምሰሉታት ንኸይኰኑን መንነትና ከየመዛብዑን ክንዓግቶም ንደሊ ኢና። ሰባት ነንባዕሎም ዝተኣማመኑሉን ማሕበረሰብ ዝሃንጹሉን ውሑስን ቅሉዕን ከባቢ ሒዝና ምእንታን ክንቅጽል፣ ንኻልኦት ንምትላል ዝፍጠሩ ወይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መለለዪታት ወይ ፕሮፋይላት ክፍጠሩ ኣይነፍቅድን ኢና።
ኣብ Facebook፣ ሰባት ኣካውንት ንምኽፋት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ዝጥቀሙሉ ንሓቃዊ መንነቶም ዝገልጽ ስሞም ክጥቀሙ ነገድድ። ሰባት ከም ተገዳስነቶም ወይ ናይ ንግዲ ስራሓቶም ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ክፍልታት መንነቶም ክገልፁ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ፕሮፋይላት ፈጢርና አለና ። መእተዊ ወይ ድማ ገሊኦም ፍርያታትን መሳለጥያታትን ምጥቃም ንምቕፃል፡ መለለዪ ማንነትካ/ኺ ንኸታረጋግፅ/ፂ ክንሓትተካ/ኪ ንኽእል ኢና። እቲ ናይ ምርግጋፅ መስርሕ እንተ ዘይተማሊኡ ንኣጠቓቕማ ምግዳብ ወይ ንሒሳባት ንሓዋሩ ምዕፃው ዘጠቓልል፡ ኣብዚ ጥራሕ ዘይወሰን ስጉምቲታት ክንወስድ ንኽእል ኢና።
እዞም ዝስዕቡ ዝገብሩ ናይ Facebook፣ ናይ Instagram ከምኡድማ ናይ Threads መለለዪታት ወይ ካልኦት ናይ Facebook ትካላት (ከም ገጻት፣ ጉጅለታት) ኣገልግሎታትና ክጥቀሙ ኣይነፍቅድን ኢና፣ ስለዚ ክንክልክል ወይ ከነሰናኽል ኢና:
ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝውንኑዎም
እዞም ዝስዕቡ ተጠቂምካ ካልእ ሰብ ወይ ትካል ምምሳል:
ምስሉ(ሎም)፣ ስሞም፣ ወይ ምስቲ ናይ ምትላል ዕላማ ዘለዎም ምምስሳል ተጥጠቂምካ
ከይተፈቕደልካ ናይ ካልእ ሰብ ወይ ትካል ድምጺ ተጠቂምካ ምዝራብ (ንኣብነት፣ ገጽ ወይ ፕሮፋይል ብምፍጣር)
ካልኦት ሰባት ከተጋጊ ወይ ከተታልል፣ ካብ ሕጊ ከተምልጥ፣ ወይ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ክትግህስ ኣብ ዘይንስኻ ምምሳል ምሽማም። መጋገይቲ ናይ መንነት መግለፂ ኣብ ንግምግመሉ ጊዜ ነዞም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ ኣብ ግምት ውሽጢ ነአትው ኢና:
ኣብ ከም ሽምን ዕድመን ዝበሉ ዝተደጋገሙ ወይከዓ ርኡይ ለውጢ ዝርዝራት መንነት እንትህልዉ
ዘጋግይ ናይ ውልቀ ሓበሬታ፤ ከም ሓበሬታ ዝርዝራት ውልቀ ታሪኽን ዝርከበሉ ቦታን ዝኣመሰሉ
ናይ ስቶክ ምስሊ ምጥቃም
ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝግህስ ስም ምጥቃም።
ኣብ Facebook፣ ካብ ንፕሮፋይላት ወይ መለለይዪታት ብግዚያውነት ምእጋድ ክሳብ ንሓዋሩ ንኸይሰርሕ ናይ ምግባር ስጉምቲታት ቕድሚ ምውሳድና ዝያዳ ሓበሬታ ንእልሽ ኢና፥
ናይ ሓሶት ዕለት ልደት እንተቕሪብካ
ካብ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ እትጽውዖሉ ሓቅነቱ ዝተረጋገጸ ስም ወፃኢ ምጥቃም
ካብ ሓደ ንላዕሊ ሰባት ዝጥቀሙዎ ወይካዓ ዝውክል ሓደ መለለዪ እንተፈጢርካ
ብዙሓት ናይ Facebook መለለዪታት እንተፈጢርካ ወይ ሒዝካ እንተቐጺልካ
ከም ትካል ንግዳዊ ስራሕ፣ ዓርኪ ሰብ እንስሳ፣ ወይ ልብ-ወለዳዊ ገጸ-ባህሪ ዝውክል መለለዪ እንተፈጢርካ
ንነዊሕ እዋን ዘይንቀሳቐሱ ባዶ ማህደር (ፕሮፋይላት) ምሓዝ (ምእላይ)
ናይ ደገፍቲ፣ ላግፂ፣ ከምኡድማ ናይ ምቅላድ መለለዪታት
ንስምዒት ኣፍቀርቲ (ደገፍቲ)፣ ዋዛን ዘይስሩዕ ዋዛን፣ ናይ ምቕዳሕ/ምስሓቕ (parody)፣ ስነ-ጽሑፋዊ ሕጫጨ (satire)፣ ነቐፌታ፣ ርእዮትን ሓሳብን ዝተወፈዩ ኣካውንታት ንፈቅድ ኢና። እቲ ኣካውንት ዘይስሩዕ ምዃኑ እንተወሓደ ኣብ ስም እቲ ኣካውንት፣ ብዝበለጸ ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት እቲ ፕሮፋይል—ከም ኣብ ናይ ፕሮፋይል ስእሊ ወይ ባዮ (ብሩህ ሓበሬታ) (ንኣብነት፦ ኣብቲ ሃንድል/ስም "fan page" ወይ "ገጽ ኣፍቀርቲ" ብምእታው)—ብግልጺ ከፍልጥ ኣለዎ።
ዘይስሩዕ ባህርዮም ብግልጺ ዘየፍልጡ ኣካውንታት ክገደቡ ወይ ክእለዩ ይኽእሉ እዮም።