ሓቂነቱ ዝተረጋገጸ መንነት ምሓዝ

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ሓቅነት እምኒ መኣዝን ማሕበረሰብና እዩ። ሓቅነት ሰባት ንሓድሕዶም ተሓተትቲ ዝዀኑሉ ማሕበረሰብ ከም ዝፈጥር ን Meta ከኣ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ኸም ዚፈጥር ንኣምን ኢና። ኣብ ብምልእታ ዓለም ዘሎ ማሕበረሰብና መንነትና ዚግለጸሉ እተፈላለየ መገድታት ከነፍቅደሉ ንደሊ ኢና ኣብ ርእሲ እዚውን ኣምሰሉታት ንኸይኰኑን መንነትና ከየመዛብዑን ክንዓግቶም ንደሊ ኢና። ሰባት ነንባዕሎም ዝተኣማመኑሉን ማሕበረሰብ ዝሃንጹሉን ውሑስን ቅሉዕን ከባቢ ሒዝና ምእንታን ክንቅጽል፣ ንኻልኦት ንምትላል ዝፍጠሩ ወይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መለለዪታት ወይ ፕሮፋይላት ክፍጠሩ ኣይነፍቅድን ኢና።
ኣብ Facebook፣ ሰባት ኣካውንት ንምኽፋት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ዝጥቀሙሉ ንሓቃዊ መንነቶም ዝገልጽ ስሞም ክጥቀሙ ነገድድ። ሰባት ከም ባህጊታቶም ወይ ስራሖም ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ክፍሊታት መንነቶም ዝገልጹሎም ተወሰኽቲ ፕሮፋይላት ፈጢርና ኢና።
እዞም ዝስዕቡ ዝገብሩ ናይ Facebook፣ ናይ Instagram ከምኡድማ ናይ Threads መለለዪታት ወይ ካልኦት ናይ Facebook ትካላት (ከም ገጻት፣ ጉጅለታት) ኣገልግሎታትና ክጥቀሙ ኣይነፍቅድን ኢና፣ ስለዚ ክንክልክል ወይ ከነሰናኽል ኢና:
  • ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝውንኑዎም
  • እዞም ዝስዕቡ ተጠቂምካ ካልእ ሰብ ወይ ትካል ምምሳል:
    • ምስሉ(ሎም)፣ ስሞም፣ ወይ ምስቲ ናይ ምትላል ዕላማ ዘለዎም ምምስሳል ተጥጠቂምካ
    • ከይተፈቕደልካ ናይ ካልእ ሰብ ወይ ትካል ድምጺ ተጠቂምካ ምዝራብ (ንኣብነት፣ ገጽ ወይ ፕሮፋይል ብምፍጣር)
  • ካልኦት ሰባት ከተጋጊ ወይ ከተታልል፣ ካብ ሕጊ ከተምልጥ፣ ወይ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ክትግህስ ኣብ ዘይንስኻ ምምሳል ምሽማም። መጋገይቲ ናይ መንነት መግለፂ ኣብ ንግምግመሉ ጊዜ ነዞም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ ኣብ ግምት ውሽጢ ነአትው ኢና:
    • ኣብ ከም ሽምን ዕድመን ዝበሉ ዝተደጋገሙ ወይከዓ ርኡይ ለውጢ ዝርዝራት መንነት እንትህልዉ
    • ዘጋግይ ናይ ውልቀ ሓበሬታ፤ ከም ሓበሬታ ዝርዝራት ውልቀ ታሪኽን ዝርከበሉ ቦታን ዝኣመሰሉ
    • ናይ ስቶክ ምስሊ ምጥቃም
  • ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝግህስ ስም ምጥቃም።
ኣብ Facebook፣ ካብ ንፕሮፋይላት ወይ መለለይዪታት ብግዚያውነት ምእጋድ ክሳብ ንሓዋሩ ንኸይሰርሕ ናይ ምግባር ስጉምቲታት ቕድሚ ምውሳድና ዝያዳ ሓበሬታ ንእልሽ ኢና፥
  • ናይ ሓሶት ዕለት ልደት እንተቕሪብካ
  • ካብ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ እትጽውዖሉ ሓቅነቱ ዝተረጋገጸ ስም ወፃኢ ምጥቃም
  • ካብ ሓደ ንላዕሊ ሰባት ዝጥቀሙዎ ወይካዓ ዝውክል ሓደ መለለዪ እንተፈጢርካ
  • ብዙሓት ናይ Facebook መለለዪታት እንተፈጢርካ ወይ ሒዝካ እንተቐጺልካ
  • ከም ትካል ንግዳዊ ስራሕ፣ ዓርኪ ሰብ እንስሳ፣ ወይ ልብ-ወለዳዊ ገጸ-ባህሪ ዝውክል መለለዪ እንተፈጢርካ
  • ንነዊሕ ግዜ ደስኪሎም ዝጸንሑ ባዶ ፕሮፋይላት ሒዝካ ምቕጻል
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ብዛዕባ ሓቂነቱ ዝተረጋገጸ መንነት ምሓዝ ሓገዝ ርኸብ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ