ናይ ዓበይቲ ጾታዊ ምዝመዛ

ዝርዝራት ናይ ፖሊሲ

መዝገብ ቀይር
የፖሊሲ መነሻ ሀሳብ
ናይ ኣገልግሎታትና ረብሓ ብዛዕባ ፆታዊ መጥቃዕቲን ምምዝማዝን ዘተን ትኹረትን ዝግበረሉ ቦታ ምዃኑ አፍልጦ ንህብ። እዚ ኣብ ምህናጽ ሓበራዊ መረዳእታን ማሕበረሰብን ኣገዳሲ ክፋል እዩ ኢልና ንኣምን። ነዚ ምይይጥ ክፉትን ዉሑስን ንምግባር፣ ድሑናት ተጓንፎኦም ከካፍሉ እንዳፈቐድና ግን ድማ ንፆታዊ ዓመፅን መጥቃዕቲን ይኹን ምምዝማዝን ዝስእል፣ ዘፈራርሕ ትሕዝቶ ነልዕል ኢና። ምስ ዘይደለዩ አካላት ንዝግበር ዘይፈቓዳዊ ፆታዊ ግብሪ ንምክልኻል ናይ ፆታዊ ግብሪ ዘርኢ፣ ዝድግፍ ወይም ዘመቻቹ ትሕዝቶ’ውን ነልዕል ኢና። ካብዚ ብተወሳኺ፣ ምግሳስ ንምፍጻም ዝሕነይ ወይ ምግሳስ ዘተባብዕ ትሕዝቶ እንድሕር ኣስተብሂልና፣ ነቲ ዝጠቀዐ ኣካውንት ከነሰናኽሎ ካብኡ ድማ ኣብ ርእሲ ምውጋድ እቲ ትሕዝቶ ምስ ናይ ሕጊ ኣካላት ክንሰርሕ ኢና።
ንድሑናት ሓለዋ ንምሃብ፣ ናይ ፆታዊ ዓመፅ አጋጣሚታት ዘርእዩ ስእልታትን ብዘይፈቓድ አብቲ ስእሊ ዘሎ(ዘለዉ) ሰብ(ሰባት) ዝተኻፈሉ ናይ ግሊ ስእልታት ነልዕል ኢና። አብቲ መእተዊ ከምዝተገለፀ፣ ጉዳያት ናይ ኦንላይን ድሕነነት ፖሊሲታትናን ምስግዳድን ንምምያጥ፣ ንምምሓያሽ ምስ ደጋዊ ናይ ደሕንነት ኪኢላታት'ውን ንሰርሕ ኢና፣ ከምኡ’ውን ሓደ ትሕዝቶ ምስ ጉድኣት ዘብፅሕ ግብሪ ከምዝተሓሓዘ ምስሓበሩና ክነልዕሎ ንኸእል ኢና። ብዛዕባ ንሓለዋ አንፃር ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኹ ናይ ግሊ ስእልታት ንጥቀሞ ቴክኖሎጂ ከምኡ'ውን ንስራሕና ሓበሬታ ዝሃበና ዳህሳስ ፅሒፍና አለና። ብተወሳኺ ኣቐዲምካ ናይ ሰባት ስቱራት ኣካላት ዘርእዩ ምስሊታት ብኦንላይ ከይተስፋሕፍሐ ንምክልኻል ዘኽእል ስግኣተ-ሓደጋታትን ብዘይፍቓድካ ናብ Meta ዝተመቓርሑ ስቱር ኣካላትካ ዘርእዩ ምስሊታትን ሪፖርት እትገብረሉ መገዲታት እውን ጥርንፍ ኣቢልና ኣቕሪብናልካ ኣለና።
ንሕና ዘይነፍቅዶም፥
ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዘርኢ፣ ዝጉስጉስ፣ ወይ ብዛዕባኡ ዝሕጭጭ ትሕዝቶ፣ እንኮላይ:
  • ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዝውክል ምስሊ (በዘይካ ገለልተኛ ወይ ኮናናይ መግለጺ ጽሒፉ ኣብ ጋህዲ ዓለመ ዘየለዉ ሰባት ዝውክል ናይ ጋህዲ ዓለም ጥበብ)
  • ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዘርኢ ምስሊ ንምምርቓሕ፣ ንምቕራብ፣ ወይ ንምሕታት ዝፍትኑ ወይ ዝሕነዩ መግለጺታት
  • ናይ ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ መግለጺታት፣ በቲ/ታ ድሕንቲ ዝተመቓርሑ ወይ ንዓኣ ዝድግፉ እንተዘይኰይኖም
  • ናይ ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ጎስጓስ (እንኮላይ ትምኒታዊን ኩነታዊን መግለጺታት) ክትገብሮ ምሕናይ፣ ወይ ኣብኡ ዝግበር ተሳትፎ ምድናቕ
  • ኣብ ልዕሊ ድሑናት ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዝብል ሓሳብ ዝሕጭጭ ትሕዝቶ
  • ናይ ድሑናት መንነት ዘቃልዕ ትሕዝቶ ብሳልሳይ ወገን ከም ዝተመቓርሐ በታ ድሕንቲ ሪፖርት እንድሕር ተጌሩ
በዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ንሰባት ክምዝምዙ ዝፍትን ትሕዝቶ፣ ንጥፈት ወይ ምልልሳት፥
  • ንሰባት ናይ ጾታዊ ቅርርብ ምስልኹም ወይ ናይ ጾታዊ ቅርርብ ሓበሬታኹም ክንውዝዖ ኢና ብዝምል መፈራርሒ ካብ ሰባት ኣገዲዶም ገንዘብ፣ ገለ ረብሓ ወይ ናይ ጾታዊ ምቅርራብ ምስሊ ምቕባል
  • ኩሎም እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኩነታት ብዘማልእ ኣገባብ ናይ ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ጾታዊ ምቅርራብ ምስሊ (NCII) ምምርቓሕ፣ ከመቓርሕ እየ ኢልካ ምፍርራሕ፣ ከተመቓርሕ ሃቂንካ ከም ዘለኻ ምግላጽ፣ ወይ ምቕራብ ወይ ምሕታት:
    • እቲ ምስሊ ዘይንግዳዊን ኣብ ናይ ውለቀ ቦታ ዝተዳለወን እዩ።
    • ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ሰብ (ቀረባ) ጥራሕ ዝባኑ፣ ኣብ ወሲባዊ ንጥፈት እናሃለወ ወይ ወሲብ ኣብ ዘመላኽት ኣቃውማ (እዚ ብዲጂታል መገዲ ወይ ብ AI-ዝተፈጥረ ምስሊ እውን የጠቓልል) እዩ ዘሎ።
    • ነቲ ስእሊ ንምክፋል ፍቓደኛ ዘይምዃን ንዝዀነ ይኹን ምልክታት ብምምላእ ይርአ፡
      • ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ሕነ ምፍዳይ (ከም መግለጺ ሓሳባት(caption) ወይ ኣርእስቲ ገጽ)።
      • ከም ናይ ሕጊ ኣፈጸምቲ መዝገባት፣ ናይ ሚድያ ጸብጻባት (ከም፣ ሰሊኹ ከም ዝወጸ ብሚድያ ዝተረጋገጸ ምስሊታት) ወይ ናይ NCII ድሑናት ተወከልቲ ዝኣመሰሉ ዝይሻራውያን ምንጪታት
      • ካብቲ ኣብቲ ምስሊ ዝረኣይ ሰብ ወይ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ ሰብ ዝቐርብ ሪፖርት።
  • ምግዋሕ፣ ከመቓርሕ እየ ኢልካ ምፍርራሕ፣ ወይድማ (NCII) ክገብር ይኽእል እየ ምባል፣ ወይ ናይ ምስዕዓም ምስሊ ብመገዲ መተግበሪታት ወይኣገልግሎታት (እንኰላይ AI) ክሰርሕ ይኽእል እየ ምባል፣ ወይ መምርሒታት፣ ዋላ ኣብቲ ትሕዝቶ ዝተመቓርሐ ንግዳዊ ወይ ዘይንግዳዊ ስእሊ (ሓደሓደ ግዜ “ናይ ዕርቃን” መተግበሪታት ወይ “AI ኪሲንግ” መተግበሪታት ተባሂሎም ዝጽውዑ)።
  • ኣብ ናይ ወዲሰብ ወሲባዊ ኣካላት (ከም ኣጥቧት፣ ረቃቒቶ፣ መቐመጫ፣ ወይ ኣስላፍ ዝኣመሰሉ) ትኹረት ጌርካ ብሕቡእ ዝተልዓለ ዘይንግዳዊ ምስሊ፣ ወሲባዊነት ዘመላኽት ፎቶ ዝተልዓለ ሰብ፣ ወይ ኣብ ወሲባዊ ንጥፈት ዘሎ ሰብ ዘርኢ ምስሊ፣ ከምኡድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ ንምብጫው፣ ነቲ ሰብ ወሲባዊነት ንምልባስ ወይ መንነት ናይቲ ሰብ ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ከም ዝዀነ ንምግላጽ ብምሕላን ምምቕራሕ። እዚ ምስሊ መብዛሕትኡ ግዜ "ክሪፕሾትስs" ወይ "ኣፕስከርትስ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • በገለ ካብዞም ዝስዕቡ ክመራቓሕ ፍቓድ ዘይተውሃቦ ሚስጢራዊ ወሲባዊ ዝርርብ ምምቕራሕ፣ ከመራቕሖ እየ ኢልካ ምፍርራሕ ወይ ከተመራቕሖ ሃቂንካ ከም ዘለኻ ምግላጽ:
    • ሕነ ንምፍዳይ ከምኡድማ/ወይድማ ንምፍርራሕ
    • ከም ናይ ሚድያ ሽፋን ወይ ናይ ሕጊ ኣፈጻሚ መዝገባት ዝኣመሰሉ ዘይሻራዊ ምንጪታት፣ ወይ
    • ካብቲ ኣብቲ ምስሊ ዝረኣይ ሰብ ወይ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ ሰብ ዝቐርብ ሪፖርት
ፍትወተ-ወሲብ ምስ ሬሳ ዘርኢ ወይ ንሰብ ብእስገዳድ ክዳውንቱ ኣውጺእካ ጥራሕ ዝባኑ ከኾን ናይ ምግባር ትሕዝቶ፣ እንኮላይ:
  • ፍትወተ-ወሲብ ምስ ሬሳ ዘርኢ ወይ ንሰብ ብእስገዳድ ክዳውንቱ ኣውጺእካ ጥራሕ ዝባኑ ከኾን ናይ ምግባር ትሕዝቶ ዝውክል ምስሊ (ብዘይካ ዘይሻራዊ ወይ ኮናናይ መግለጺ ጽሒፉ ኣብ ጋህዲ ዓለመ ዘየለዉ ሰባት ዝውክል ናይ ጋህዲ ዓለም ጥበብ
  • ፍትወተ-ወሲብ ምስ ሬሳ ዘርኢ ወይ ንሰብ ብእስገዳድ ክዳውንቱ ኣውጺእካ ጥራሕ ዝባኑ ከኾን ናይ ምግባር ትሕዝቶ ዝውክል ምስሊ ከመቓርሑ ዝፍትኑ፣ ዘቕርቡ፣ ዝሓቱ፣ ወይ ዘፈራርሑ መግለጺታት
  • ብዛዕባ ፍትወተ-ወሲብ ምስ ሬሳ ዘርኢ ወይ ንሰብ ብእስገዳድ ክዳውንቱ ኣውጺእካ ጥራሕ ዝባኑ ከኾን ናይ ምግባር ዝገልጹ፣ ዝጉስጉሱ፣ ብዛዕባኡ ትምኒታዊ ወይ ኩነታዊ መግለጺታት፣ ናይ ሃቀነ መግለጺታት ወይ ከምኡ ክግበር ምጽዋዕ፣ ኣብ ከምኡ ምስታፍ ምእማን፣ ወይ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ንዝደሓኑ ሰባት ምሕጫጭ ዝሓዙ መግለጺታት
ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ሰባት እቲ ትሕዝቶ ንገሊኣቶም ኬበሳጭዎም ከም ዚኽእል ምእንቲ ኺፈልጡ ስምዒት ዝትንክፍ ስክሪን ነካትት፡
ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ኣልቦ ጾታዊ ምትንኻፍ (ብጽሑፍ ወይ ብኣፍ) ዚገልጽ ዛንታታትን መግለጺታትን ስም ካብ ምሃብ ወይ ነቲ ተግባር ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ እንድሕር፡
  • በቲ ድሑን ዝተመቓርሐ፣ ወይ
  • ነቲ ድሑን ብምድጋፍ ወይ ነቲ ተግባር ብምኹናን ወይ ብዓውዲ/መግለጺ ዝፍለጥ ሓፈሻዊ ግንዛበ ንምሃብ ብሳልሳይ ወገን ዝተመቓርሐ (ካብቲ ድሑን ወጻኢ)።
ነዚ ዝስዕብ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታን/ወይ ትሕዝቶን የድልየና፥
ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ከይርእዩዎም ክንክልክል ከምኡድማ ኣብ ገለ ትሕዝቶታት መጠንቀቕታዊ ጽሑፍ ክንጥቅዕ ንኽእል ኢና፣ እንኮላይ:
  • ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዘርኢ ትሕዝቶ፣ እንድሕር:
    • ግንዛቤ ክብ ንምባል ተመራቒሑ (በዘይ መዛነዩ ወይ ስምዒት ዝትንክፍ ዓውዲ)፣
    • እቲ ድሑን መንነቱ ዘይፍለጥ እዩ፣ ከምኡድማ
    • እቲ ትሕዝቶ ዕርቃን ኣየጠቓልልን
  • ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ልበ-ወለዳዊ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዘርኢ ትሕዝቶ (መቃልዒ ናይ ፊልም፣ ወዘተ)፣ ግንዛቤ ክብ ንምባል ስምዒት ብዘይትንክፍ ኣገባብ ብእሙን መሻርኽቲ እንድሕር ተመቓሪሑ
ግንዛበ ክብ ንምባል እቲ ግዳይ ወይድማ እቲ ካብ ሓደጋ ዝደሓነ ኣካል መንነቱ ከም ዘይፍለጥ ጌርካ እቲ ትሕዝቶ ድማ ዕርቃን ብዘየርኢ መገዲ ብዘይ መዛነዪ ወይከኣ መጓሃሃሪ ዓውደ-ትርጉም ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ከይሪኡዎ ክልከላ ክንገብር ከምኡድማ ኣብ ስምምዕ ዘይተደረኸ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዘርእዩ ትሕዝቶታት መጠንቀቕታዊ ሓበሬታ ክንጥቅዕ ንኽእል ኢና።
ኣብ ርእሲ እቲ ምዕማጽ ወይ ጾታዊ ስምዒት ኣልቦ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ንምትንካፍ ዘስግእ ወይ ዝጣበቕ ትሕዝቶ ንምውጋድ እንጥቀመሉ መጠነ-ሰፊሕ ፖሊሲ ነቲ ናይ ምልጣፍ ሕሳብ እውን ከነወግዶ ንኽእል ኢና።
ብተወሳኺውን እቶም ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ብሓደ ዝተፈቕደ ተወካሊ ወይ ትውክልቲ ዝግበሮ ሳልሳይ ወገን ጸብጻብ ክህብ ከሎ ዝልለዩ ሳልሳይ ሰብ ዘካፍልዎ ትሕዝቶ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ንኽእል ኢና።
ተሞክሮታት ተጠቃሚ
ገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ Facebook ዝርከቡ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር ርአ፡ ንኣብነት፥ ኣብ Facebook ክትረኽቦ ዘይግብኣካ ነገር ሪፖርት ምግባር፡ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ከም ዝጠሓስካ ምንጋር ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ትሕዝቶ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ምርኣይ።
መዘኻኸሪ፥ ወትሩ ኢና ንመሓየሽ ዘለና፡ ስለዚ እቲ ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ምስቲ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ክነጻጸር ከሎ ቍሩብ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ሪፖርት ምግባር
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ድሕሪ ሪፖርት ዝግበር ርክባት
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ ምውጋድ ተሞክሮ
ተሞክሮ ተጠቃሚ
ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን
ትግባረ ስሪታት
ኣብ ብምልእታ ዓለም ንሕድሕድ ኣብ Facebook ዘሎ ሰብ ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ኣለና።
ገምገምቲ ጉጅለታት
እቲ ካብ 15,000 ንላዕሊ ገምገምቲ ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ጉጅለና ኣብ Facebook ድሕንነት ሰባት ንምሕላው ኩሉ ግዜ ይሰርሕ።
ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት
ግዳማዊ ክኢላታት፡ ምሁራት፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ንናይ Facebook ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ ምግላጽ ይሕግዙ እዮም።
ብዛዕባ ናይ ዓበይቲ ጾታዊ ምዝመዛ ሓገዝ ይርከቡ
ምስ ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ዝጻረር ነገር ኣብ Facebook እንተ ርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፍለጡ።
ማእከል ሓገዝና ተወከስ