ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት

ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ Facebook, Instagram, Messenger ከምኡድማ Threads እንታይ ከም ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ዝገልጹ መምርሕታት እዮም።
መእተዊ
ፖሊሲታትና ካብ ማሕበረሰብና ኣብ ዝተዋህበና ርእይቶን ኣብ ከም ቴክኖሎጂ፣ ህዝባዊ ድሕንነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰለ ዓውድታት ክኢላታት ኣብ ዝህብዎ ምኽርን ዝተመርኰሰ እዩ። ድምጺ ዅሉ ሰብ ዋጋ ኸም ዘለዎ ንምርግጋጽ፣ ንዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን እምነታትን፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ዕሽሽ ተባሂሉ ወይ ኣብ ግምት ዘእተወ ሰባትን ማሕበረሰባትን ዘጠቓልል ፖሊሲታት ብጥበብ ንጥቀመሉ ኢና።
ሰባት በብመዓልቱ፣ ብFacebook, Instagram, Messenger እና Threads ገይሮም ተሞክሮታቶም የካፍሉ፣ ምስ ፈተውቶምን ስድራቤቶምን ይራኸቡ፣ ከምኡ’ውን ማሕበረሰባት ይሃንጹ። ኣገልግሎታትና ቢልዮናት ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ባህልታትን ብቡዙሓት ቋንቋታትን ሓሳባቶም ብነጻነት ክገልጹ ይፈቕዱ።
Facebook, Instagram, Messenger ከምኡድማThreads ሰባት ሓሳባቶም ክገልጹ ጥጡሕ ባይታ ከም ዝዀነሎም ክስመዖም ዝገብር ቦታ ክኸውን ምኽኣሉ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ Meta ይግንዘብ፣ ስለዚ እዚ ኣገልግሎት ንምዝመዛ ከይቃላዕ ኣብ ምግባር ሓላፊነትና ብዕቱብ ኢና ንዋጻእ። ስለዚ ድማ ኢና ኣብዞም ኣገልግሎታት እንታይ ከም ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ዝገልጹ መምርሕታት ዘማዕበልና።
እቶም ናይ ማሕበረሰባዊ ረቛሒታት ብUS እንግሊዝኛ ዝተዳለወ ሕታም ነቲ እዋናዊ ዝዀኑ ፖሊሲታት ከም ዘንጸባርቕን ከም ቀንዲ ሰነድ ገይርካ ክውሰድ ከም ዘለዎን ኣስተብህሉ።
ንኽንዛረብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት
ዕላማ ናይ ማሕበረሰባዊ ረቛሒታት ወትሩ መግለጺ ዝኸውን ቦታ ንምድላውን ንሰባት ድምጺ ንምሃብን እዩ። Meta ሰባት ዋላ’ውን ገሊኦም ዘይሰማምዑሉ ወይ ዝቃወምዎ እንተዀኑ፣ ብዛዕባ እቲ ዘገድሶም ጕዳያት ርኢቶታት ብምጽሓፍ፣ ብስእሊ፣ ብሙዚቃ፣ ወይከኣ ብካልእ ጥበባዊ መገዲታት ብጋህዲ ክዛረቡ እዩ ዝደሊ። ኣብ ገለ መዳያት፣ ንፈቕዶ ትሕዝቶ—ዋላኳ ምስ ናይ ማሕበረሰባዊ ረቛሒታት ዝጻረር እንተኾይኑ—ግን ድማ ዜና ዝግብኦን ንህዝቢ ዝጠቅምን እንተዀይኑ ነፍቕደሉ ኢና። ከምዚ እንገብር ነቲ ህዝባዊ ተገዳስነት ዘለዎ ዋጋ ምስቲ ጕድኣት ዘምጽኦ ሓደጋ ድሕሪ ምግምጋምና፣ ከምኡውን ከም’ቲ ኣብ ናይ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ፖሊሲና ተንጸባሪቑ ዘሎ ኣህጉራዊ ረቛሒታት ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምምርማርና እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ብዘማትእ ወይድማ ብንጹር ቋንቋ ዝተገልጸ ትሕዝቶ ኣንጻር ረቛሒታትና ከም ዝኾነ ብግቡእ ኣመኽንዮ ክንርዳእ ዘኽእል ተወሳኺ ዓውደ-ትርጉም ክንረክብ እንከለና ነቲ ትሕዝቶ ከነወግዶ ንኽእል ኢና።
ንምግላጽ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፣ ኢንተርኔት ግና ሓድሽን እናወሰኸ ዝኸይድን ኣጋጣሚታት ከም ዝፈጥር ንፈልጥ ኢና። በዞም ምኽንያታት እዚኦም፣ ነቲ መግለጺ ደረት ክንገብረሉ ኸለና፣ ነዚ ዝስዕብ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ከነውጽእ ንኽእል ኢና፡
ሓቃውነት፡
ሰባት ዝርእይዎ ትሕዝቶ ሓቅነቱ ክነረጋግጽ ንደሊ ኢና። ሓቃውነት ንኻልኦት ንምክፋል ዝሓሸ ሃዋህው ከም ዝፈጥር ንኣምን ኢና፣ ስለዚ ድማ ኢና ሰባት ብኣገልግሎታትና ገይሮም ንመንነቶም ወይ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ብጌጋ ክነግሩ ዘይንደሊ።
ውሕስነት
Facebook, Instagram, Messenger ከምኡድማ Threads ውሑሳት ቦታታት ከም ዝኾኑ ንምግባር ብልዑል ተበግሶ ንሰርህ። ነቲ ኣካላዊ ድሕንነት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ትሕዝቶ ነጥፍኦ ኢና። ንሰባት ዘስግእ መግለጺ ንኻልኦት ከፈራርሖም፣ ከወግዶም ወይካዓ ስቕ ከብሎም ስለ ዝኽእል ኣብ ኣገልግሎታትና ኣይፍቀድን እዩ።
ስትረት
ንናይ ብሕታዊ ስትረት ጕዳያትን ሓበሬታን ሓለዋ ክንገብር ቈሪጽና ኢና። ስትረት ንሰባት ገዛእ ርእሶም ናይ ምዃን፣ ከምኡውን ብኸመይን መዓዝን ኣብ ኣገልግሎታትና ናይ ምክፋል ከምኡውን ብቐሊሉ ናይ ምትእኽኻብ ናጽነት ይህቦም እዩ።
ክብረት
ኵሎም ሰባት ማዕረ ኽብርን መሰላትን ከም ዘለዎም ንኣምን ኢና። ሰባት ንኻልኦት ከሸግሩ ወይ ከዋርዱ ዘይኰነስ ንኽብሪ ኻልኦት ከኽብሩ ኢና ንጽበ።
ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት
ረቛሒታት ማሕበረሰብና ንዅሉ ሰብ፣ ኣብ መላእ ዓለም፣ ከምኡ’ውን እንኮላይ ብ AI-ዝመንጨወ ትሕዝቶ ሓዊሱ ኣብ ኵሉ ዓይነት ትሕዝቶ ዝውዕል እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይ ማሕበረሰብ ስሪታትና ንዕላማ ናይቲ ፖሊሲ ስዒቡ ድማ ዝርዝር ፖሊሲታት ብዝገልጽ "ርትዓዊ ፖሊሲ" እዩ ዝጅምር፡
ዘይፍቀድ ትሕዝቶ፣ ከምኡ’ውን
ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ትሕዝቶ ዝሓትት ትሕዝቶ፣ ናይ መጠንቀቕታ ስክሪን ወይ ትሕዝቶ ዘለዎ ግን ድማ በቶም 18ን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሚኦም በጽሕታት ጥራይ ክርአ ይከኣል እዩ።