በጽሒታት ምስ ዕድመ-ዝመጣጠን ትሕዝቶ ክሪኡ ምሕጋዝ

ዝዘመነ 13 MAY 2026
በጽሒታት ኣብ Facebook ከምኡድማ Instagram ውሑስ፣ ኣወንታዊ ተሞክሮ ከስተማቕሩ ንደሊ፣ እዚ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ትሕዝቶ ከም ዝ ሪኡ እናረጋገጽካ ድሌታቶም ክድህስሱ ምሕጋዝ የጠቓልል። በጽሒታት ብሰለስተ ዓበይቲ መገዲታት ዘይግቡእ ትሕዝቶ ከይሪኡ ክንክልክሎም ንሰርሕ፥ ስሪታትና ዝግህስ ትሕዝቶ ምሉእብምሉእ ብምውጋድ፣ ገለ ንብሱላት ሰባት ዝቐርቡ ዓይነታት ተኣፋፊ ትሕዝቶ ብምሕባእ፣ ከምኡድማ ንእንመኽሮ ነገራት ጥቡቕ መጋረዲ ምግባር።
በጽሒታት ውሑስን፣ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድን ተሞክሮታት ከስተማቕሩ ንገብር ከም ዘለና ንምርግጋጽ፣ ከምኡድማ ንወለዲ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዝህልዎም ንምግባር ዘኽእሉ ናይ ምርምርን ሞያዊ ማዕዳታትን ንምጥማር ኣከያይዳና ብቐጻሊ እናመሓየሽናዮ ኢና ንኸይድ ዘለና። ንሕና እውን ምስቲ ንስድራቤታት ድሮ ልሙድ ዝኾነ ነጻ መዐቀኒ ዝያዳ ክንሰምር ስለ ዝደለና፣ ነቲ ብደረጃ ዕድመ ዝተዳለዉ መምርሒታትና፣ ማለት ነቲ ኣየናይ ትሕዝቶ ካብ በፅሕታት ከም እንሓብእን ንዓታቶም ከይንመክርን ዝውስን መምርሒታት፣ ምስቲ ንዕድመ 13+ ዝኸውን ናይ ሙቪታት መምዘኒታትን ምስ ናይ ወለዲ ርኢቶን ብምውድዳር ዳግመ-ርእይቶ ጌርናሉ። እዚ ማለት፡ ዕላማና ሰገናት ኣብ Instagram ን Facebook ን ምስ ዕድሚኦም ዝሰማማዕ ሙቪ ዝመሳሰል ትሕዝቶ ብቀጥታ ንኽርእዩ ምግባር እዩ።
ልክዕ ከምቲ ንዕድመ 13+ ኣብ ዝተፈቕዱ ፊልምታት ገለ ስምዒት ዘለዓዕሉ ትሕዝቶታት ወይ ጸያፍ ቃላት ክርኣዩ ወይ ክስምዑ ዝኽእሉ፣ ሰገናት እውን ሓሓሊፉ ኣብ Instagram ወይ/ከምኡ እውን ኣብ Facebook ተመሳሳሊ ነገራት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ - ግንከ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ብዝተኻእለ መጠን ኣዝዩ ውሑድ ንክኸውን ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና።" ዝዀነ ፍጹም ዝበሃል ስርዓት ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና፣ ስለዚ ኣብ ከይዲ ከነመሓይሽ ብዕቱብ ንሰርሕ።
ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ሚድያን ሙቪታትን ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ። ናይ ትሕዝቶ ቅንብራትና ከነመሓይሽ እንከለና ምስ MPA ኣይንሰርሕን ኢና፣ ስለዚ ዝዀነ ኣብ Instagram ወይ Facebook ዝርከብ ትሕዝቶ ኣይመዝኑን እዮም፣ ብተወሳኺ ናይ ትሕዝቶ ቅንብራትና ብዝዀነ መገዲ ንሳቶም ኣየጽድቑልናን እዮም። የግዳስ፣ ካብቶም ንወለዲ ሓደሽቲ ዘይዀኑ ናይ MPA ህዝባዊ መምርሒታት ተሞክሮ ንወስድ፣ ከምኡድማ ኣብ ናይ ወለዲ ግብረመልሲ ንድረኽ ናይ ትሕዝቶ ምግምጋም ስርዓታትና ልክዕ ከም ናይ ሙቪ ምዘና ሰሌዳታት ኣይዀኑን፣ ስለዚ እቲ ኣካይዳ ፍጹም ማዕረ ዘይክዀን ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ቀጸላታት ሓለዋ
ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ፥ ናትና ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ዝግህስ ትሕዝቶ ነወግዶ ኢና። ብተወሳኺ ብዛዕባ እንመኽሮም ወይ እንጥቁሞም ትሕዝቶታት ተሪር መመመዪ ረቛሒ ኢና ንጥቀም።
❌ እነወግዶ ትሕዝቶ
ናትና ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ኣብ Facebook ከምኡድማ Instagram ዘየነፍቅዶም ዓይነታት ትሕዝቶ ይገልጹ። እዚ ትሕዝቶ እንድሕር ፈሊጥናዮ - ካብ ኩሎም ሰባት - ዋላ ካብ በጽሒታት ኢና ነወግዶ። እዞም ደንቢታት ዝግህስ ትሕዝቶ ከነወግድ እንከለና፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመቓርሐ መለለዪ መጠንቀቕታ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ ብተወሳኺ ብተደጋጋሚ ወይድማ ብልዑል ደረጃ ፖሊሲታትና ዝግህሱ መለለዪታት ነሰንክሎም ኢና። እዞም ፖሊሲታት ንኹሉ ኣብ ማሕበረሰብና ዘሎ ሰብ፣ እንኰላይ ንበጽሒታት ክሕልዉ እዮም ተሰሪሖም።
ምሉእ ብምሉእ እነወግዶ ዓይነታት ትሕዝቶ ነዞም ዝስዕቡን ካልኦትን የጠቓልል፥
ሰባት ዝብለጽ ወይ ዝምዝምዝ ትሕዝቶ ኣይነፍቅድን ኢና፣ ንኣብነት ዘይስምምዓዊ ወሲባዊ ንጥፈት ዘተባብዑ ጥቃዓት፣ ወይድማ ኣብ ልዕሊ ህጻን ዝተገብረ በለጽ ዝሓዘ ትሕዝቶ ምምቕራሕ ወይ ምሕታት። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ከነወግዶም ኢና፥
❌ ሽርሙጥና ዘቕርብ ወይድማ ንገለ ሰብ ፖርኖግራፊ ስደደለይ ዝብል ሕቶ ዘቕርብ ጥቃዕ።
❌ ገለ ሰብ ኣብ ጾታዊ ዕርክነት ወይ ወሲባዊ ተግባር እናሃለወ ዘርኢ፣ በዝይፍቓዱ ዝተመቓርሐ ፎቶ።
❌ ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ዝተፈጸመ ወሲባዊ በለጽ ዝሓዘ ትሕዝቶ ወይ ዕርቃን ህጻናት ዘርኢ ምስሊ ዘቕርብ ወይ ዝሓትት ጥቃዕ።
ርእሰ-ቕትለት፣ ርእሰ-ማህሰይቲ ወይድማ ናይ ኣመጋግባ ምምዝባዕ ዘተባብዕ፣ ዝውድስ ወይ ዝድግፍ ትሕዝቶ ኣይነፍቅድን ኢና፣ እንተዀነ ግና ሰባት ብዛዕባ ናይ ባዕሎም ተሞክሮታት ክዛረቡን ሓገዝ ክጠልቡን ዕድል ንህብ ኢና። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ከነወግዶም ኢና፥
❌ ብዛዕባ ርእሰ-ቕትለት፣ ርእሰ-ማህሰይቲ ወይድማ ናይ ኣመጋግባ ምምዝባዕ ብኣወንታ ዝዛረብ ጥቃዕ።
❌ ዘስካሕክሕ ርእሰ-ማህሰይቲ ዘርኢ ዛንታ።
❌ ኣብ ልዕሊ ግዳይ ናይ ኣመጋግባ ምምዝባዕ ዝሕጭጭ ርኢቶ።
ንምፍርራሕ ወይ ተነጽሎ፣ እንኰላይ ንምድንዳንን ምግፋዕን ባይታ ዝፈጥር ትሕዝቶ ኣይነፍቅድን ኢና። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ከነወግዶም ኢና፥
❌ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣብ ዘርኢ፣ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ጾታዊ መንነት፣ ወይ ወሲባዊ ዝንባለ ዘድሃበ ስብእና ዝቕንጥጥ ዘረባ ዝጥቀም ጥቃዕ።
❌ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝሕጭጭ ርኢቶ።
❌ ውልቃዊ መንነት ዘቃልዕ ሓበሬታ (ንኣብነት፣ ቁጽሪ ፓስፖርት) ክፍንው ዝሕነ ወይ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ ምስርጣይ ዘበጋግስ ጥቃዕ።
ክልከላ ዝተነብረሎም ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ኣብ መድረኻት ምዕዳግ፣ ምሻጥ፣ ወይ ምንጋድ ኣይነፍቅድን ኢና። ብተወሳኺ ሰባት ገለ ዓይነታት ዕጸ-ፋርሳት ከወዓውዑ ወይድማ ብዛዕባ ኣጠቓቕማኦም መምርሒታት ክህቡ ኣይነፍቅድን ኢና። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ከነወግዶም ኢና፥
❌ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዕጸ-ፋርሳት ክዕድግ፣ ክሸይጥ፣ ወይ ክነግድ ዝብል ዛንታ።
❌ ትምባዀ፣ ኒኮቲን፣ ወይ ኣልኮል ክዕድግ፣ ክሸይጥ፣ ወይ ክነግድ ዝህቅን ጥቃዕ።
❌ ብ 3D-ሕትመት ዝተዳለዉ ክፍሊታት ጠመንጃ ዘቕርብ ርኢቶ።
ክልከላ ዝተነብረሎም ገለ ዓይነታት ኣቑሑት ብሕጋዊ መገዲ ዘቕርቡ ገለ ቅቡላት ንግዳዊ ንጥፈታት ገን ክንሓልፎም ንኽእል ኢና።
ኣዝዩ ኣስካሕካሒትሕዝቶ፣ ወይድማ ከም ኣንጻር ሰባት ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝሕነ ትሕዝቶ ዛኣመሰለ፣ ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ውሑሰነት ሰባት ስግኣተ-ሓደጋ ዝፈጥር ትሕዝቶ ኣይነፍቅድን ኢና። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ከነወግዶም ኢና፥
❌ ገለ ሰብ ንምቕታል ወይ ንምችዋይ ዝሕነ፣ ወይ ካልኦት ኣካላት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዘተባብዕ ጥቃዕ።
❌ ገለ ሰብ ኣካላቱ እናተጎመደ ወይ ምሒር እናነደደ ዘርኢ ኣስካሕካሒ ቪድዮ።
ኣብ ሕክምናዊ ዓውዲታት ወይ ግንዛበ ክብ ንምባል ተባሂሉ ዝቐርብ ኣስካሕካሒ ትሕዝቶ ብፍሉይ እነማሕድረሉ ኣሰራርሓ ኣለና። ኣስካሕካሒ ትሕዝቶ ክንፈቅድ እንከለና እውን፣ ሰባት እቲ ትሕዝቶ ተኣፋፊ ክኸውን ከም ዝኽእል ቅድሚ ምጥዋቖም ምእንታን ክፍልጡ ብመጠንቀቕታዊ ስክሪን ንሽፍኖ ኢና።
ዕርቃን ወይድማ ወሲባዊ ንጥፈት ምርኣይ ከምኡድማ ቅሉዕ ወሲባዊ ቋንቋ ብጥብብቂ ንኽልክል። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ከነወግዶም ኢና፥
❌ ናይ ዕርቃን ወይ ቅሉዕ ወሲባዊ ንጥፈት ዝሓዙ ምስሊታትን ቪድዮታትን፣ ዋላ ብ AI ዝተፈጥሩ እንተዀኑ።
❌ ወሲባዊ ኣጋጣሚታት ብቕሉዕ ወይ ብስእላዊ ኣገባብ ዝሓዘ ዛንታ (ንዋዛ ወይ ሕጫጨ ዝተዳለወ እንተዘይዀይኑ)።
ብእተፈላለየ ምኽንያታት ዕርቃን ንኣብነት፣ ተቓውሞ ንምግላጽ፣ ብዛዕባ ሓደ ጠንቂ ንምፍላጥ፣ ወይ ከኣ ትምህርታዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽንያታት ኣቓልቦና ክብ ንምባል ክመቓራሕ ከም ዝኽእል ንርዳእ ኢና። ግቡእ ከኸውን እንከሎ ከምኡድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ንጹር ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነዚ ትሕዝቶ ነፍቅድ ኢና።
ብዛዕባ እነወግዶ ትሕዝቶ ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፣ ናትና ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ረኣይ።
🛡️ ክጥቆሙ ዘይንፈቕደሎም ትሕዝቶታት
ኣብ ከም ናይ Instagram ሪላት ወይ ዳህሳሳት ዝኣመሰሉ ቦታታት ሰባት ዝደልዩዎ ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ኣልሾም ክረኽቡ ዝሕግዝ ጥቆማታት ንገብር ኢና። ብዛዕባ ክጥቆም ዝኽእል ዓይነት ትሕዝቶ፣ ከምኡድማ ብዛዕባ ትሑት ጽፈት ዘለዎ፣ ንተቓውሞ ዝተቓልዑ፣ ወይድማ ተኣፈፍቲ ጥቆማታት ምውጋድ ዝምልከቱ መምርሒታት ኣለዉና—እዚ ዋላ እቲ ትሕዝቶ ክፍኣቱ ምውጋድ ከስዕብ ዝኽእል እንተኾነ። ንሰባት ካብ ክኽተሉዎም ዘይመረጹዎም መለለዪታት ዝፍነዉ ትሕዝቶታት ከነርእዮም እንከለና ስጡም ስሪታት ምኽታል ኣገዳሲ እዩ ኢልና ስለ ንኣምን ኢና ከምዚ ንገብር።
⚠️ ካብ በጽሒታት እንሓብኦም ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት
በጽሒታት፥ ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባጽሕ ተወሳኺ ሓለዋ ንገብር ኢና። ካብቲ ካብ ኩሎም ሰባት እነወግዶ ትሕዝቶ ብተወሳኺ፣ ብዙሕ ትሕዝቶ ንሓብእ ኢና፣ ከምኡድማ ንዓበይቲ ሰባት ዝምከሩ ወይ ዝጥቆሙ ትሕዝቶታት ንበጽሒታት ኣይንጥቁምን ኢና። እዚ ማለት ናትና ሸቶ በጽሒታት ኣብ Instagram ከምኡድማ Facebook ዝርእዩዎ ትሕዝቶ ምስቲ ኣብ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ሙቪታት ዝርእይዎ ዓይነት ዝመሳሰል ከም ዝኸውን ምግባር እዩ በጽሒታት ነቲ ተወሳኺ ትሕዝቶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ዝያዳ ነጻነት ዝህብ ሳልሳይ ናይ ትሕዝቶ ቅንብር፡ ብፍቓድ ወለዲ ጥራይ እዮም ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ። ኣብ Instagram፣ በጽሕታት ወይ ወለዶም ዝተገደበ ትሕዝቶ ናብ ዝበሃል ዝያዳ ቀያዲ ዝኾነ ናይ ኣሰራርሓ መልክዕ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።
13+ (the default): እቲ ናይ 13+ ናይ ትሕዝቶ ምድላው ቅንብር ካብ ናይ ዕድመ 13+ ናይ ሙቪ ደረጃታትን ረቋሒ ርእይቶ ወለዲን መወከሲ ብምግባር ዝተዳለወ ኮይኑ፡ በጽሒታት ድማ ብቀጥታ ክፍቲ እዩ።" ኣየኖት ዓይነታት ትሕዝቶ ንልዕሊ ዕድመ ሰባት ትኽክል ኰይኖም፣ ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም በጽሒታት ግን ከም ዘይዀኑ ብዝሓሸ ክንርዳእ ንጽዕር ኢና፣ ከምኡድማ እዞም ኣብ ዕድመ ዝተደረኹ መምርሒታት ብመንጽር ናይ 13+ ዝዕድሚኦም ዝዀኑ ናይ ሙቪ ደረጃ ረቛሒታት ገምጊምናዮም ኢና። ኣብዚ ቅንብር’ዚ፣ ካብቲ ካብ ኩሉ ሰብ እነወግዶ ብተወሳኺ ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት ካብ በጽሒታት ክንሓብእ ኢና። ኣብ Facebook ፤ እቲ ናይ 13+ ቅንብርን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ናይ ሓለዋ ስጉምትታትን ብመድረኻት ይዝርግሑ ኣለዉ። እቲ ናይ 13+ ትሕዝቶ ቅንብር፣ በጽሒታት ምስቶም ብቐንዲ ንዕድመ ዘይምጥን ትሕዝቶ ዘካፍሉ ፕሮፋይላትን ገጻትን ዘለዎም ርክብ ክግድብ እዩ። እዚ ማለት፣ እዚ ትሕዝቶ ልዕሊ ዕድመ ዝዀኑ ሰባት ክረኽቡዎ ክፍቀደሎም እንከሎ፣ በጽሒታት ግን ዋላ ብዝኽተልዎ መለለዪ ኣብ መኣኣዶም ወይ ዛንታታቶም እንተተመቓርሐ ክሪኡዎን ምስኡ ርክባት ክገብሩን ኣይኽእሉን ማለት ኣዩ። ብተወሳኺ በጽሒታት ምስ ዕድሚኦም ዘይኸይድ ትሕዝቶ ብምምቕራሕ ዝፍለጡ መለለዪታት ከይእልሹ፣ ከይኽተሉን ምስኡ ምልልስ ከይገብሩን ክንክልክሎም ኢና።
ገለ ካብቶም ኣብዚ ንቡር ቅንብር ካብ በጽሒታት እንሓብኦም ዓይነታት ትሕዝቶ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ
በጽሒታት ካብ ከጨንቑን ከስካሕክሑን ዝቕእሉ ምርኢታት ንምክልኻል ገለ ምስ ርእሰ-ቅትለት ወይ ርእሰ-ማህሰይቲ ዝዛመዱ ትሕዝቶታት ንኽውል። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ናይ ዕድመ ክልከላ ከነንብረሎም ኢና፥
⚠️ ገለ ሰብ ናይ ባዕሉ ናይ ረእሰ-ቕትለት፣ ርእሰ-ማህሰይቲ ወይ ናይ ኣመጋግባ ተሞክሮታት ዝገልጸሉ ጥቃዕ፣ ብዘይካ ኣብ ዓውዲ ሕውየት ዝግበር።
⚠️ Aኣብ ሆስፒታል ጸረ ዘይድሕን ስቅያት ዝግበር ቅትለት ወይ ብሓግዝ ዝካየድ ርእሰ-ቕትለት ዘርኢ ምስሊ ወይ ቪድዮ።
⚠️ ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ክብደት ንምንካይ ዘርኣዮ ደረት ኣልቦ ባህሪ ዝዛረበሉ ዛንታ።
በጽሒታት ኣብ ጉድኣት ከስዕብ ተኽእሎ ዘለዎ ንጥፈት ክነጥፉ ጽልዋ ከሕድረሎም ዝኻል ትሕዝቶ ንኽውል። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ናይ ዕድመ ክልከላ ከነንብረሎም ኢና፥
⚠️ ብቅቡል ንግዳዊ ፍቓድ ዘለዎ ኣካል ዝተመቓርሐ ትምባዀ፣ ፍርያታት ኒኮቲን፣ ኣልኮል፣ ወይ ጠበንጃታት ንመሸጣ ዘቕርብ ጥቃዕ።
⚠️ ሰባት መዕወኒ ዕጸ-ፋርሳት (ኢንቶጂንስ ተባሂሎም እውን ዝጽውዑ) ወይ ፍርያታት ካናቢስ ክወስዱ ዘተባብዕ ዛንታ።
⚠️ ኣልኮላዊ መስተታት ንምስራሕ ዘኽእሉ ሜላታት ዘርእዩ ምስሊታት።
⚠️ ክብደት መነከዪ ፍርያታትን ኣገልግሎታትን ዝሸይጥ ዛንታ።
መብዛሕቲኡ ዘስካሕክሕን ዘጨንቕን ምስሊታት ካብ በጽሒታት ንኽውሎ ኢና፣ እዚ ንልዕሊ ዕድመ ሰባት ብመጠንቀቕታዊ ስክሪን ኣጎልቢብና ንፈቕደሎም ኢና። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ናይ ዕድመ ክልከላ ከነንብረሎም ኢና፥
⚠️ ንልዕሊ ዕድመ ሰባት ብመጠንቀቕታዊ ስክሪን ኣጎልቢብና እንፈቕደሎም ምሒር ዝነደደ ሰብ ዘርኢ ፎቶ ካብ በጽሒታት ግን ንኽውሎ ኢና።
⚠️ ተኲስካ ምቕታል፣ ግፍዓዊነት፣ ወይ ቀታላይ ግርጭት መካይን ዘርኢ ፎቶ ወይ ቪድዮ።
ቅሉዕ ዕርቃን ወይ ወሲባዊ ንጥፈት ዘይብሉ ግንድማ ናብ ወሲብ ዝመርሕ ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል ትሕዝቶ እውን ካብ በጽሒታት ንሓብእ ኢና። ንኣብነት፣ እዞም ዝስዕቡ ናይ ዕድመ ክልከላ ከነንብረሎም ኢና፥
⚠️ ዳርጋ ናብ ዕርቃን ዝቀራረብ ትሕዝቶ ዘለዎ ንኣብነት ዲጂታል መኽኸወሊ ዝተገብረሉ ጥቃዕ።
⚠️ ናይ ዝዀነት ሰብ መዓኰር ኣቕሪቡ ዘርኢ ፎቶ።
⚠️ ወሲባዊ ምስላታት ብምጥቃም ሓዊሱ ናብ ወሲብ ዝመርሕ ቋንቋ ተጠቂሙ ወሲባዊ ኣጋጣሚታት ዝገልጽ ዛንታ።
ብዛዕባ እነወግዶ ትሕዝቶ ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፣ ናትና ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ረኣይ።
ንሕና እውን፣ ዋላ እኳ ምስቲ ንዕድመ 13+ ዝኸውን ናይ ሙቪታት መምዘኒታትን ርኢቶ ወለድን ዝሰማማዕ እንተኾነ፤ ዝያዳ ዓይነት ትሕዝቶታት ካብ ምምካር ክንርሕቕ ኢና። መብዛሕትኦም ካብቶም ንልዕሊ ዕድመ ሰባት ዘይንጥቊሞም ትሕዝቶታት ካብ በጽሒታት ምሉእብምሉእ ከም ዝኽወሉ ዝተገብሩ እዮም፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ንበጽሒታት ዘይንጥቁሞም ተወሰኽቲ ዓይነታት ትሕዝቶታት ኣለዉ - ንኣብነት ወሲባዊ ተገይሮም ክውሰዱ ዝኽእሉ ፎቶታት ቪድዮታት፣ ሓያል ማሕላ፣ ወይድማ ካብ ነዊሕ ቀልቀል ምዝላል ዝኣመሰሉ ኣቓላቦ ንምስሓብ ተባሂሎም ዝግበሩ ግንድማ ሓደጋ ከስዕቡ ዝኻሉ ተግባራት።
ድሩት ትሕዝቶ፥ ኣብ Instagram፣ ተወሳኺ ቁጽጽር ክገብሩ ንዝደልዩ ወለዲ፣ ድሩት ትሕዝቶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝያዳ ተሪር ክልከላ ዘለዎ ሓድሽ ቅንብር ኣተኣታቲና ኣለና። እቲ ናይ ድሩት ትሕዝቶ ቅንብር ተወሊዑ፣ ዝያዳ ብዙሕ ትሕዝቶ ካብ ናይ በጽሒ መለለዪ ተመኩሮ ንምሕባእ ዝያዳ ተሪር መጻረዪ ትሕዝቶ ኣብ ግብሪ ከነውዕል ኢና። ብተወሳኺ ናይ ኣለሻ ውጽኢታት እውን ድሩት ከም ዝኸውን ክንገብሮ ኢና፣ ከምኡድማ ናይቲ በጽሒ ኣብ ትሕቲ ጥቃዓት ርእይቶታት ናይ ምርኣይ፣ ምግዳፍ ወይ ምቕባል ብቕዓቱ ዕጹው ክንገብሮ ኢና።
ዝያዳ ትሕዝቶ፥ በጽሒታ ኣብ ናይ ወለዲ ፍቓድ ተደሪኾአም ጥራሕ እዮም ናብ ‘ዝያዳ ትሕዝቶ’ ዝብል ክንብር ክኣትዉ ዝኻሉ፣ እዝ ወለዲ ጥራሕ እዮም ብመገዲ ክትትል ወለዲ ኣቢሎም ከቕርብዎ ዝኽእሉ። ኣብዚ ቅንብር፣ በቶም ካብ ንዓበይቲ ንላዕሊ ንበጽሒታት ዝያዳ ብዙሕ ትሕዝቶ እንሓብአሎም ኣውቶማቲክ ሓለዋታት ኣቢሎም እውን ተጠቀምቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብዚ እውን ማሕበረሰባዊ ስሪታትና ዝግህስ ትሕዝቶ ምሉእብምሉእ ኢና ነወግዶ። ይዀን’ምበር፣ በጽሒታት ገለ ኣብ 13+ ክርከቡ ዘይክእሉ ትሕዝቶታትን ናይ ድሩት ትሕዝቶ ቅንብራትን ክጥቀሙ ክምከሩ ይኽእሉ እዮም፣ ከምኡድማ ምስ ዕድመ ዝኸዱ ትህዝቶታት ዘመቓርሑ መለለዪታት ምሉእብምሉእ ኣይክንሓብኦምን ኢና።
መተሓሳሰቢ፥ ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ሚድያን ሙቪታትን ብዙሕ ፍልልያት እዩ ዘሎ። ንናይ ትሕዝቶ ቅንብራትና ክነሐድስ ከለና ምስ MPA ኣይሰራሕናን፤ ንሳቶም ድማ ኣብ Instagram ን Facebook ን ንዝርከብ ዝኾነ ይኹን ትሕዝቶ ደረጃ ኣይህቡን እዮም፣ ከምኡ እውን ንናይ ትሕዝቶ ቅንብራትና ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ደገፍ ኣይህቡን ወይ ኣየጽድቁን እዮም። የግዳስ፣ ካብቶም ንወለዲ ሓደሽቲ ዘይዀኑ ናይ MPA ህዝባዊ መምርሒታት ተሞክሮ ንወስድ፣ ከምኡድማ ኣብ ናይ ወለዲ ግብረመልሲ ንድረኽ ናይ ትሕዝቶ ምግምጋም ስርዓታትና ልክዕ ከም ናይ ሙቪ ምዘና ሰሌዳታት ኣይዀኑን፣ ስለዚ እቲ ኣካይዳ ፍጹም ማዕረ ዘይክዀን ይኽእል እዩ።
ግህሰታዊ ትሕዝቶ ከመይ ሪፖርት ከም ዝግበር
ስሪታትና ዝግህስ ትሕዝቶ መሚና ንምላጥ ሓያል ጻዕሪ ንገብር፣ ከምኡድማ መብዛሕትኡ ትህዝቶታት ገና ሪፖርት ከይበጽሐና ብቕድመ-ንጡፍ ቴክኖሎጂና ተጠቒምና ንረኽቦምን ነወግዶምን ኢና። ገለ ዘምለጠና ነገር እንተሪእኻ፣ ወይ ኣብ Facebook ወይድማ ኣብ Instagram ሪፖርት ብምግባር መድረኻትና ውሑስ ቦታታት ከም ዝኸውን ኣብ ምግባር ሓግዘና። ኩሎም ሪፖርትታት መንነት ዘይገልጹ እዮም።
ተወሰኽቲ ምንጪታት ሓበሬታ
ናትና ናይ ማሕበረሰብ ስሪታት ብዛዕባ እነወግዶ ትሕዝቶታትን ናይ ዕድመ ክልከላ እነንብረሎም ሕድሕድ ፖሊሲታትን ዝርዝር ሓበሬታ ሒዞም ይርከቡ። ከተንብቦም፣ ኣብዚ ጠውቕ
ብተወሳኺ ከም ብተደጋጋሚ ብበጽሒታት ዝተኣገደ ወይ ሪፖርት ዝተገብረ ልዕሊ ዕድመ ሰብ፣ ወይድማ ብግህሰታዊ ትሕዝቶ ተደጋጋሚ ዝተኣለሸ ልዕሊ ዕድመ ሰብ ዝኣመሰሉ ጥርጡራት ልዕሊ ዕድመ ሰባት ብቕድመ-ንጡፍ ኣገባብ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ኣማዕቢልና ኢና። ጥርጡራት ልዕሊ ዕድመ ሰባት ንበጽሒታት ኣይንጥቁምን፣ ከምኡድማ በጽሒታት ንጥርጡራት ልዕሊ ዕድመ ሰባት ኣይንጥቁምን። ብዛዕባ ኣዚ ኣብዚ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ እቶም ማሕበረሰብና ውሑስ ኰይኑ ክቕጽል እንሕግዘሎም መገዲታ ኣብ ማእከል ውሑስነት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፣ ብዛዕባ ንበጽሒታትን ቤተሰባትን እንሕግዘሎም መገዲታት ድማ ኣብ ማእከል ቤተሰብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ