ኣብ ሜታ (Meta)፡ ንሰባት ድምጺ ንምሃብን ድሕነቶም ንምሕላውን ቆራፃት ኢና።

ካብ 2016 ናብዚ ኣብ ቴክኖሎጂ Meta ንዘሎ ትሕዝቶ ንምቍጽጻር "ምውጋድ, ምንካይ, ምሕባር" ዝበሃል ሜላ ተጠቒምና ኣለና።
እዚ ማለት ድማ ምስ ፖሊሲታትና ዝገራጨው ጎዳኢ ትሕዝቶታት ነግልጽ፣ ነቶም ንፖሊሲታትና ዘይጥህሱ እንተኾነ ግን ጸገም ዘለዎም ትሕዝቶታት ናይ ምዝርጋሕ መጠን ንቕንስ ፖሊሲታት ፣ ሰባት እንታይ ከም ዝጽቁኑ፣ ዘንብቡ ወይ ዘካፍሉ ንኽውስኑ ተወሳኺ ሓበሬታ ብምሃብ ንሓብሮም።
ነዚ ስትራተጂ እዚ ንምሕጋዝ ኣብ ቴክኖሎጅያዊ መሳርሒታትና እንታይ ከም ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ዝገልጽ ፖሊሲታት ኣለና። Cheer HH, [9/8/2026 1:22 AM] ጋንታታትና ፖሊሲታትና ንምምዕባል ከምኡውን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብሓባር ይሰርሑ። ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣሎ።

1

ፖሊሲታትና ንምፍጣርን ንምሕዳስን ምስቶም ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ህዝባዊ ድሕንነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቡ ዓለምለኻዊ ክኢላታት ንተሓባበር ኢና።

2

ሰባት ትሕዝቶኦም ሪፖርት ምእንቲ ኽህቡን ክዓግቱን፣ ክሓብኡ ወይ ከይስዕቡ ምእንቲ ኽኽእሉ ንድሕንነት ዝኸውን ነገራት ንሰርሕ ኢና።

3.

ብቴክኖሎጅን ብሰብኣዊ ገምጋማትን ጌርና ፖሊሲታትና ንትግብር።
ንሰባት ድሕንነት ንህቦም ከምኡ ድማ ፖሊሲታትና፣ምትግባርናን ግልጽነትናን ብምክፋል ተሓተትቲ ይገብሩና።
policy-image
ፖሊሲታትና
ፖሊሲታትና ኣብ ቴክኖሎጂ Meta እንታይ ከም ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ይገልጹ። ትሕዝቶና ምስ ፖሊሲታትና ዝጻረር እንተ ኾይኑ ስጕምቲ ንወስድ ኢና።
enforcement-image
መፋለጥታትና ምትግባር
ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሚልዮናት ዝቖጽሩ ትሕዝቶታት ንምልላይ፣ ንምግምጋምን ስጉምቲ ንምውሳድን ቴክኖሎጂን ናይ ምግምጋም ጋንታታትን ንጥቀስ።
transparency-reports-image
ናይ ግልጽነት ጸብጻባትና
ፖሊሲታትና ኣብ ምትግባር እንታይ ንገብር ከም ዘለና ንሰባት ንምሕባር ስሩዕ ናይ ግልጽነት ሪፖርት ንሓትም ኢና።
ranking-image
ደረጃ ኣመዳድባ ንምግላጽ ዘሎና ኣገባብ
ናይ ሰብ-ስራሕ ብልሒ (AI) ስርዓታት፡ ከም ናይ ፌስቡክ ፊድ (Feed) ምራኣይ፣ ኣብ ኢንስታግራም ሪልስ (reels) ምዕዛብ ወይ ፌስቡክ ማርኬትፕሌስ (Marketplace) ምድህሳስ ዝኣመሰሉ ኣብ ፍርያት ሜታ (Meta) ንዝርከቡ ብዙሓት ተመክሮታት ናይ ትሕዝቶ ደረጃ ኣመዳድባ ይሕብሩ።
ናይ ቀረባ እዋን ሓደስቲ ሓበሬታታት (ወይ ናይ ቀረባ እዋን እዋናዊ ምድላዋት)